ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ጨናፍር ማሕበር ልምዓት ትግራይ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘስርሓ ተገሊፁ


በቲ ፕሮጀክት ክስርሓ ዝተወጠና ኣብያተ ትምህርቲ 15’የን ነይረን

ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ላስቬጋስ ዝተኻየደ ኣኼባን ፌስቲቫልን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኖም ዝተረኽቡ ኣምባስደር ተወልደ ገብሩ፡ እተን ጨናፍር ክሰርሕኦ ዝወጠንኦ 15 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝነበረን ዛጊድ 14 ከም ዝተሃነፃን ገሊፆም።

ነቲ ኣኼባን ፌስቲቫልን ናይ ዘተኣናገደ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ዶ/ር ገብረዋህድ ወልዱ እቲ ኣኼባ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ግዜ ዕላማ ሒዙ ብሓድሽ መንፈስ ንምትንስእ ዘሐጉስ ኣኼባ ኣካይዱ ኢሎም።

ንምሉእ ትሕዝቶ `ቲ ጋዜጠኛ በትረ ስልጣን ዝካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG