ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕባለ ቁጠባ ኢትዮዽያ ምስ ዓለም-ለኸ ምቅይያር ዝተኣሳሰር‘ዩ ይብል ሓደ ተንታኒ ቁጠባ


ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ
ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ
ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ኣብ ኢትዮዽያ ይራኣይ ዘሎ ሰፋሕቲ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ቁጠባዊ ምዕባለን፣ዓለም-ለኻዊ ክስተታት ዝፈጠርዎ ከምዝኾነ ትካል ምኽሪ አርነስት ኤንድ ያንግ ጨንፈር ኢትዮዽያ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፣ባንኪ ዓለም፣ይትረፍ‘ዶ ቢልዮናት ዶላራት፣ ኢትዮዽያ ሓምሳ ወይ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ፍቀዱለይ ኢላ ክትሓትት ከላ፣ክልተ ሰለስተ ዓመታት ለሚና‘ያ ትረኽቦ ነይራ።እቶም መሻርኽቲ ምዕባለ ዝባሃሉ‘ውን እንተኾነ፣እዚ ኣየድልየኩምን እናበሉ ነቲ ሕቶ ዝነፅጉሉ ዘበን‘ዩ ነይሩ ኢሎም።

ንኣበነት፣ኢትዮዽያ ግልገል ጊቤ ሳልሳይ ክሃንፅ‘የ‘ሞ ልቃሕ ገንዘብ ፍቀዱለይ ኢላ ሓቲታ ነይራ።ባንኪ ዓለም ኣይፈቅድን ኢሉ።ኣውሮዻውያን ኣይፋልናን ኢሎም።ዳሓር ካብ ጁባና‘ምባኣር ክንሃንፆ ኢና ምስበልና፣ ተመሊሶም ኣይበዝሐን‘ዶ ክብሉና ጀሚሮም።ሎሚ ቁጠባ ዓለም ተለዊጡ‘ዩ። ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቅ ቆላሕታ ቀስ እናበለ ዘይሩ‘ሎ።ናይ ቻይና ምህፍታም ንከምኢኢትዮዽያ ዝኣምሰላ ሃገራት፣ኣዝዩ ረባሓይ ኮይኑ‘ሎ ይብሉ።

ኣብ ክሊ ምንካይ ድኽነት ከምኣብነት ተኺሎም ክዛረቡ ከለው ኣቶ ዘመዴነህ፣ፀብፃብ ሕ/ሃ ከምዝሕብሮ ኣብ ስሳታት ብደረጃ ኣፍሪቃ ስሳ ካብ ሚእቲ ኣብ ፅፍሒ ድኽነት ይናበሩ ከምዝነበሩን ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ኣሃዝ ናብ 38 ሚእታዊ ክንኪ‘ዩ ኢሉ ክግምግም ከሎ፣እቲ ኣሃዝ ናብ ኢትዮዽያ ክመፅእ ከሎ ግና 38 ሚእታዊ ዘይኮነስ 22 ሚእታዊ ክኸውን‘ዩ ኢሉ ከምዝፅበ ጠቂሶም።
XS
SM
MD
LG