ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንሶርያ ናብ ኣባልነቱ መሊሱ


ኣኼባ ዓረብ ሊግ ኣብ ግብጺ
ኣኼባ ዓረብ ሊግ ኣብ ግብጺ

ንልዕሊ 10 ዓመታት ካብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ተኣልያ ዝጸንሐት ሶርያ፡ ትማሊ ሰንበት ናብቲ ሕብረት ተመሊሳ ኣላ። መራሒ ሶርያ በሻር ኣል-ኣሳድ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቱ ብዝግበሮ ጎነጽ፡ እቲ ማሕበር ካብ ሕዳር 2011 ኣትሒዙ ንሶርያ ካብ ኣባልነት ኣልዩዋ’ዩ ጸኒሑ። ንዕኡ ስዒቡ ድማ እታ ሃገር ኣብ ሰንሰለታዊ ጎንጺ ስለ ዝጠሓለት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ድማ ንስደት ተቓሊዖም።

ሕጂ ሶርያ ተዛማዲ ምርግጋእ ደኣ ይሃሉዋ እምበር፡ ዝዓበየ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ግን ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ’ዩ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ድሕሪ ምምላስ ሶርያ ናብቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ነቲ ማሕበር ዘማእከለ ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ሶርያ ናብቲ ሕብረት ምምላሳ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ጎንጺ ዘላቒ መፍትሒ ረኺቡ ማለት ዘይምዃኑ እቲ መግለጺ የነጽር።

መንግስቲ ሶርያ፡ ናብቲ ማሕበር ምምላሱ ብሓጎስ ክቕበሎ እንከሎ፡ በቲ ጎንጺ ዝተመዛበሉ ወገናት ግን እቲ ማሕበር ኣብ ክንዲ ነቲ “ቀታሊ” ዝበሉዎ ኣሳድ ናብቲ ሕብረት ምምላስ፡ ነቶም ዝተመዛበሉ ህዝቢ ምጥርናፍን ፍትሒ ምርካብን ክሰርሕ ከም ዝግበኦ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG