ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ዘልዓሎም መሰረታዊ ሕቶታት ዝፍትሑ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ እዩ"ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ


ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ- ፋይል
ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ- ፋይል

ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ "ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ዘልዓሎም መሰረታዊ ሕቶታት ዝፍትሑ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ እዩ" ኢሎም።

ንሶም ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ’ቲ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ባህርዳር ዝጀመሮ ምይይጥ እዩ።

እቶም ኣመሓዳሪ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ መደረ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ’ቲ ክልል ይቅጽል ዘሎ ወፍሪ ጸለመ፣ ነቲ ክልል መራሕቲ ኣልቦ ገይሩ፣ ሕቶ ህዝቢ ንክዕፈን ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት’ዚ፣ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ዝጸንሑ ሕቶታቱ ዝፍትሑ፣ ምስ መሪሕነቱ ሓድነቱ ብምሕያል፣ ምስ ጎረባብቲ ክልላትን ፌደራላዊ መንግስቲን ብሓባር ኮይንካ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ዝምህሩ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኤፍረም ኣሃዱ ብወገኖም ህዝቢ ኣምሓራ ዘልዐሎም ሕቶታት፣ ኣብ እዋኑ መልሲ ከምዘይረኸቡ፣ እንተኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ምይይጣት ምክያድ ድማ ግቡእ ምዃኑ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG