ዋሽንግተን —
ሽሕ`ኳ ኣሸሓት ኪሎ ሜተራት ካብ ሃገሮም ርሒቖም እንተሃለዉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ዝሰርሑ ኣመሪካውያን ነዚ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርጫ ኣመሪካ ብንቕሓት ይከታተልዎ ኣለዉ።
ኢቫ ትብሃል ምሉእ ሽማ ክዕቀበላ ዝደለየት ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቅድሚ ናብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ምእታዋ፡ ጠበቓ ከባቢ እያ ኔራ። ካብ ክፍለ-ግዝኣት መሪላንድ ኮይና ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ትሰርሕ ኣላ። ካብ 2017 ጀሚራ ካብ ደገ ኮይና`ያ ክትመርጽ ጸኒሓ። ንዓኣ ድምጻ ምሃብ ሃገራዊ ግዴታ`ዩ። ከምኡ`ውን ኣብ ምርጫታት ኣመሪካ ምስታፋ ንኻልኦት ብዛዕባ መስርሕ ምርጫ ኣመሪካ ንምስትምሃር ዕድላት ዝኸፍተለይ `ዩ ትብል።
ቅጥዒ