ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄርማን ኮሀን፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ምስ ኤርትራ ነቲ ኣብ ግዜ ኦባማ ዝተበላሸወ ዲፕሎማሲያ ምሕዝነት ናብ ንቡር ንምምላስ ድልየት ከምዘለዎ ካብ`ቲ ምምሕዳር ሰሚዐ`ለኹ ኢሎም


ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን
ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን

ብምኽንያት መገሻ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ተለርሰን ናብ ኣፍሪቃ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ጆርጅ ቡሽ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን፡ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኢንቨስትመንት ክገብራ ከምዝኽእላን፡ ኤርትራ ኣብ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብምህላዋ፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካን ኤርትራ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተዛሪቦም “ ኤርትራ መላኺ ስርዓት ኣለዋ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና`ዩ ሰልጢኑ። ብእኡ ሞደል`ዩ ዝመርሕ። ግን ኤርትራ ብተዛማዲ ጽቡቕ ትኸይድ ዘላ ትመስል-ንኣብነት ንኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ክንህብ ኸለና ንኤርትራ ሓገዝ መግቢ ኣይሃብናያን። ማይን ካልእን ኣለዎም። ዝሓሸ ውዳበታት ድማ ኣለዎም። ናይ ወጻኢ ኢንቨስትመንት`ውን ይመጾም ኣሎ” ኢሎም።

ኤርትራን ኢትዮጵያም ናብ`ቲ ንቡር ዕዳጋ እንተተመሊሶም፡ ዝሓሸ ከምዝኸውን`ውን ተዛሪቦም። ሀርማን ኮሀን፡ ብዛዕባ ኣብ ምውዳቕ ደርግ ዝነበረ ኩነታትን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊን ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣብ ወደብ ብሓባር ንምስራሕ ዝተገብረ ስምምዕን፡ ምጅማር ኩናትን ኣልዒሎም`ውን ተዛሪቦም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG