ዋሽንግተን —
ብምኽንያት መገሻ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ተለርሰን ናብ ኣፍሪቃ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ዝሃቡ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ከፍርሖም የብሉን ኢሉ። “ህዝቢ ኣዝዩ ሕጉስ ኣይኮነን። ነቲ ጨቋኒ ኣካይዳ መንግስቲ ይቃወምዎ`ለዉ። …ህዝቢ ዘድልዮ ዘሎ ዲሞራሲያዊ ስግግር`ዩ “ ብምባል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ፍታሕ ከምዘይኮነ ይዛረቡ። ኣተሓሒዞም፡ ኣብ መንገሻ ዘለዉ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውሽጣዊ ቕልውላው ኣልዒሎም ክዘራረብሉ ምዒዶም።
“ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይ-ርጉእ ምዃኑ ብሩህ`ዩ። መንግስቲ ኣብ ልዕሌና ኣፈላላይ ይገብር`ዩ ብዝብል፡ ሰባት ተቓውሞ ኣልዒሎም ኣለዉ ክሳብ ግጭት`ውን ዝበጽሕሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ። ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ መንግስቲ ንኹሉ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዓውድታት ብሞኖፖል ሒዝዎ ዝብል መረረት ኣለዎም”።
ሄርማን ኮሀን፡ ኣሜሪካ ካብ ቻይና ብዝሓሸ፡ ንኣፍሪቃ ዝረብሕ ንግዳዊ ምትሕብባር ክተገብር ትኽእል`ያ ዝብል እምነት ኣለዎም።