ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሓላፊ ስለያ ኣል-ሸባብ ተቐቲሉ' ክብል ኣረጋጊፁ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ


ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ
ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ

ኣብ ሶማልያ ዞባ ሳኮው ዝተቀትለ ሰብ፡ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ኣል-ሸባብ’ዩ ከምዘረጋገፀ ምንስቴር መከላኸሊ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ካብ’ቲ ቤት-ዕዮ ዝወፀ መግለፂ፡ዝተተኮሰ ሚሳይላት ንመኪና ሓላፊ ሰለያ ኣል-ሸባብ ታህሊል ኣብዲሻኩር ሶኒ ኣብ ዝወቅዐሉ እዋን ታህሊል ከምዝቀተለን ሓቢሩ።

ወሃቢ-ቃል ፔንታገን ጀምስ ብሪንድል “ሞት ንስርሒታት ወፃኢ ኣል-ሸባብ ይመርሕ ዝነበረ ታህሊል፡እቲ ጉጅለ ይፍፅሞም ዝነበረ ጥቅዓት ኣንፃር መንግስቲን ህዝቢን ሶማልያ፡ መሻርኽቲን ረብሓን ኣሜሪካን ኣዝዩ ክንክዮ’ዮ ይብል።

ዝሓለፈ መስከረም ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ንመራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ጎዳኔ ከምዝቀተለ ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG