ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ አዛዚ አል ሸባብ ኢዱ ናብ ሓይልታት መንግስቲ ሶማል ምሃቡ ተገሊጹ


 ፋይል - አባላት አል ሸባብ ነበር ዝተሓዝሉ ቦታ ጋራው- ፑንትላንድ ሶማል
ፋይል - አባላት አል ሸባብ ነበር ዝተሓዝሉ ቦታ ጋራው- ፑንትላንድ ሶማል

ሓደ ወታሃደራዊ አዛዚ አልሸባብ ኢዱ ንሓይልታት መንግስቲ ሶማል ምሃቡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሶማል ዓብዱራህማን ዑመር ዑስማን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ አረጋጊጾም ኣለው።

እቲ በሸር ሙኒም ፋራህ ዝተባህለ ወታሃደራዊ አዛዚ አል ሸባብ ኣብ ዞባ ሂራን ኢዱ ምሃቡ’ውን ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።

ነቲ ወታሃደራዊ አዛዚ ዘዘራረበ ጀነራል መሃመድ አሕመድ ትረዲክ እቲ አዛዚ ናብ ዞባ ሂራን ዝተላእኸ ኣብዚ ወርሒ ሮመዳን መጥቓዕቲ ንምፍጻም ምኳኑ ከምዝገለጸሉ ብምሕባር ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ጀነራል መሃመድ እቲ ወታሃደራዊ አዛዚ ትማሊ ረቡዕ ኢዱ ምሃቡን ክልተ ኤኬይን ካል

ኦት ተተኮስቲን ሒዙ ከምዝነበረ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG