ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኽብሪ ዕረፍቲ ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ስለስተ ናይ ሓዘን ማዕልታት ተኣዊጁ


ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ
ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ብሞት ንዝተፈልዩ ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ኣለማዮህ ኣቶምሳ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ሃገራዊ ሓዘን ብምእዋጅ ባንዴራታት ትሒተን ንኽንብል ኣዚዙ።

ኣብ ፈለማ 2003 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ገዛኢ ፓርቲ መናእሰይ ካብ ዝብሃሉ መራሕቲ ንቕድሚት ካብዝመፁ መራሕቲ ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ኣለማየሁ ሽዑ ነይሮም ስልጣን ኣቦ መንበርነት እቲ ፓርቲ ካብ ኣቶ ኣባ ዱላ ገመዳ ዝተረከቡ።
ካብ ዋና ካያዲ ስራሕ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኢትዮጵያ ወፂኦም ስልጣን ፕሬዝዳንትነት ኦሮሚያ ዝሓዙ እውን ኣብቲ እዋን እቲ ነይሩ።

ኣብቲ ክልል ንዝነበረ ግዕዝይና ኣብ ምቅላስ ዕውት ስራሕ ምስርሖም ምንጭታት ኢህወዴግ ይገልፁ።ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ መንግስታዊ ትልምታት ልምዓት ኣብ ምትግባር ከምኡ እውን ኺራይ ኣካብነትን ግዕዝይናን ኣብ ምቅላስ ብመንግስቲ ይኹን ብህዝቢ ዝለዓለ ተቐባልነት ዝነበሮም መራሒ ነይሮም ኢሉ’ሎ።

ፅባሕ ዝፍፀም ናይ ኣቶ ኣለማዮህ ኣቶምሳ ስነስርዓት ቀብሪ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ዝሃቡ ምኽትል ፕሬዝዳንት እቲ ክልል ኣቶ ኣብዱል ኣዚዝ ኣሕመድ ክቃለስሉ ዝፀንሑ ዕላም ንኽዕወት ፃዕሪ ንኽግበር ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ወፃኢ ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ናይ ዝዓረፉ ኣቶ ኣለማዮ ኣቶምሳ ሬሳ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ኣብዝኣተወሉ እዋን ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓዊሱ ዝለዓሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራል፣ክልል፣ኣዝማዶምን መሳርሕቶምን ተረኺቦም።

ፅባሕ ቀዳም ኣስከሬኖም ኣብ ኣደባብይ መስቀል ተቐሚጡ ዝተፈላለዩ መግለፅታት ምስ ተሰምዑ ስነስርዓት ቀብሮም ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ከምዝፍፀም ኣቶ ኣብዱል ዓዚዝ ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG