ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣይቨሪኮስት ዝርከብ መዘናግዒ ማእከል ዕጡቓት ብዝከፈትዎ ተኩሲ 18 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝንቐሳቀስ ጉጅለ ዕጡቓት ጨንፈር ኣል-ቃይዳ ብወጻእተኛታት ዝዝውተር ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣይቨሪኮስት ዝርከብ መዘናግዒ ሆቴል ግራንድ ባሳም ትማሊ ሰንበት ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ክልተ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ሓዊሱ 16 ሰባት ተቐቲሎም።

ፕሬዝዳንት ኣይቨሪኮስት ኣላሳን ዋታራ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ኩሎም ሽዱሽቲኦም ከምዝተቐትሉ ገሊጾም ኣለው።

ኣብዚ አብታ ሃገር ንፈለማ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 14 ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 22 ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ዋታራ ናይ ፈረሓት ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣይክንጻወሮን ኢና ኢሎም።እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሉ’ዩ እውን ኢሎም።

‘ንኩሎም ዜጋታትናን ህዝብናን እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምውዓሉ ክገልጽ እፈቱ። ኩነታት’ቲ ከባቢ ናብ ህድኣት ዝነበሮ ተመሊሱ’ሎ፤ኣብ ግራንድ ባሳም፣ ኣቢጃንን ኣብ መላእ ሃገርን ጸጥታ ኣብ ምሕያል ንርከብ።’

ነቲ ኣብ ኣይቨሪኮስት ዝተካየደ መጥቓዕቲ ኣብ እስላማዊ ማግሬብ ዝርኸብ ኣል-ቃይዳ አብ መርበብ ሓበሬት ኡ ብዝዘግሖ መሰረት ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

ገጾም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት ኣብ ወሰን ባሕሪ ናብ ዝርከብ ሳውዘርን ሆቴል ብእግሮም ከምዝመኸዱ መሰኻኽር ይዛረቡ።

ኣሜሪካ ብወገና ነቲ መጥቓዕቲ ‘’ጨካን መጥቓዕቲ’’ ኢላ ብምዝጸዋዕን ብምኹናን ተወሳኺ ህይወት ከይጠፍእ ምክልኻሎም ንሓይልታት ኣይቨሪኮስትን ፈረንሳይን ናእድኣ ገሊጻ’ላ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝካየድ ምርመራ ንምሕጋዝን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝካየድ ጸረ-ሽብር ግጥምን ኣሜሪካ ምሕዝነታ ነረጋግጽ ኣለና ኢሎም።

እቲ መጥቓዕቲ ንብዙሓት ነበርቲ ኣቢጃን ዘሰንበደ’ዃ እንተኾነ ዘይተጸበዩዎ ግን ኣይነበረን።ኣዳማ ኮኔ ዝተብሃለ ነባሪ ኣይቮሪኮስት ፖለቲካውን ኢኮኖሚካውን ኣገዳስነት ኣይቨሪኮስት ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ምኻዱ ኣብ ግምት ብምእታው ኣይተገርምኩን ኢሉ።

ግራንድ ባሳም ናይ ንግዲ ማእኸል ካብ ዝኾነት ኣቢጃን ብኣንፈት ምብራቕ ኣስታት 40 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ እትርከብ ዋና ከተማ ናይ ፈረንሳይ መግዛእቲ ዝነበረት እያ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ እስላማዊ ጂሃዳዊያን ኣብ ዋና ከተማታት ጎረቤት ሃገራት ማሊን ቡርኪና ፋሶን ንሆቴላት ብምጥቓዕ ንዓሰርተታት ሰባት ቀቲሎም እዮም።

XS
SM
MD
LG