ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰበስልጣን ማሊ እቲ አብ ሆቴል ራዲሶን ብሉ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ አብቂዑ'ዩ ኢሎም ይአምኑ'- ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ


ወሃቢ ቃል ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርቢ እዚ ዝገለጹ ሎሚ አብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ'ዩ።

ጆን ኬርቢ ብተወሳኺ አብቲ ሆቴል ዝነበሩ ኩሎም ሓለፍቲ ተልእኾ አብ ደሓን ኩነታት ከምዘለዉ ገሊጾም።

ነቲ መጥቃዕቲ ምስ አል-ቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ሓላፍነት እንተወሰደ'ኻ ገና ኣይተረጋገጸን ኢሎም።

ቁጽሪ አብቲ ሆቴል ዝነበሩ ኣሜሪካዊያን ከምዘይተፈልጠ ሓያሎ ኣሜሪካዊያን ግን ከምዝደሓኑን ዝቆሰለ ኮነ ዝሞተ ምህላው ከምዘይተፈልጠ'ውን ገሊጾም አለው።

እቲ መጥቓዕቲ ራዲሰን ብሉ አብ ዝተባህለ ሆቴል ዝተፈጸመ ክኸውን ከሎ ብውሑዱ 18 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ'ሎ።ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ግን እቲ ቁጽሪ ክውስኽእ ይኽእል እዩ ክብሉ የጠንቅቑ ኣለው።

ፍሉይ ሓይልታት ማሊ ናብቲ ሆቴል ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ፍንጀራን ቶኽስን ይስማዕ ከምዝነበረ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ካብቶም ዝተጨውዩ ሽዱሽተ ኣሜሪካዊያን ሓዊሱ ኣስታት 80 ሰባት ነጻ ከምዝወጹ ሰበስልጣን ማሊ ገሊጾም ኣለው።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ነቲ መጥቓዕቲ ዘስካሕክሕ ናይ ኣሸበርቲ መጥቓዕቲ እዩ ብምባል ኮኒኖምዎ'ለው።

ካብቲ ከባቢ ብዝተረክበ ረፖርት መሰረት እቶም ዕጡቃት ካብ ቁርዓን ንዝጠቀሱ ጅሆ ሽዑ ንሽዑ ነጻ ከምዝለቀቅዎም ተገሊጹ’ሎ።

አባላት መንገዲ አየር ቱርኪ፡ፈረንሳዊያን፡ናይጀርያዊያንን ቻይናዊያን ገለ ካብቶም አብቲ ሆቴል ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት’ዮም።

አብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ አብ ዋዕላ ቻድ ዝነበሩ ፕረዝደንት ማሊ ኢብራሂም ባቢከር ኬይታ ነቲ ዋዕላ አቋሪጾም ናብ ሃገሮም ከምተመልሱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ ኤምባሲ አሜሪካ አብ ማሊ አብቲ ሆቴል ንዘዕረፉ ዜጋታትን ንአባላት እቲ ኤምባሲን አብ ውሑስ ቦታ ክጸንሑ አተሓሳሲቡ’ሎ።

አብ ዋና ከተማ ማሊ ቱሪስት አብ ዘዘውትርዎ ቤት መግቢ አብ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ካልእ መጥቃዕቲ’ውን ሓሙሽተ ሰባት ምቅታሉ ይዝከር።

አብዚ እዋን'ዚ መዕርፎ ነፈርቲ ባማኮ አገግሎት ክህብ ከምዝጀመረን ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG