ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ ርክብ ይፈጥሩ


 መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ ርክብ ይፈጥሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ ርክብ ይፈጥሩ

ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ ተበግሶ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ (ያሊ) ካብ 18 ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ዝመፁ 23 መንእሰያት መራሕቲ ዝሓቖፈ ጉጅለ ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ በጺሖም።

ወናኒ እዚ ልዕሊ ክልተ ሄክታር ሕርሻ ጄን በርችማንስ ማኒራኪዛ፡ ስድርኡ ሕርሻ ናይ ዓሌት ኣፍሮ-ካሪብያን ዘለዎም ኣእካል ብምብቋል ኣብ ትሑት ኣገልግሎት ንዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ይሕግዝ። ሎሚ ነዞም መናእሰይ መራሕቲ ተቐቢሉ ኣተኣናጊዱ።

እቶም መናእሰይ መራሕቲ ካብ ግዜኦም 67 ደቓይቕ ኣብቲ ሕርሻ ብምስራሕ ነቶም 67 ዓመታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝተቓለሱ መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኔልሰን ማንዴላ ዘኪሮም። ሓንቲ ካብቶም ተሳተፍቲ ዝኾነትን ካብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመፀት መምህር ዩንቨርስቲ ሌራቶ ሶኖ "ኣብ ሃገረይ ኣብ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ናይ ምውፋር ኣጋጣሚ’ኳ እንተዘይነበረኒ ከምዚ ዝበለ ልምዲ ምርካበይ ግን ረብሕኡ ልዑል '" ትብል።

“ቀንዲ ዕላማ ብዛዕባ ኣብቲ ሕርሻ ምስራሕ ወይ ብዛዕባ ኮነ ኢሉ ኣእካል ኣፍሪቃ ዘብቁል ሕርሻ ከምዘሎ ንምፍላጥ ጥራሕ ኣይነበረን ከመይ ኣፍሪቃ ንኢንዱስትሪ ሕርሻ ኣመሪካ ዓቂብዎ ከምዝርከብ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ። ስለዝኾነ ብዛዕባ ናይ ባዕለይ ናይ ኣፍሪቃ ታሪኽ ዝተፈላለዩ ከም ሕርሻ ዝበሉ ኢንዱስትሪታት ብምፍታሽ ብዙሕ ክፈልጥ ከምዘለኒ ዝደፍኣኒ ነይሩ።”

ከም ይሳቕ ፖምቦሎካ ዝኣምሰሉ ካብ ዝምባብዌ ዝመፁ መንእሰያት ድማ ነቲ ዝረኸብዎ ፍልጠትን ተሞክሮን ኣብ ልምዓት ማሕበረሰቦም ንምውዓል ውጥን ከምዘለዎም ገሊፆም።

“እዚ ፍሉይ እዩ። ብዛዕባ ንጥፈታት ሕርሻ ጥራሕ ዘይኮነስ ከመይ እቲ ስርዓት ሕርሻ ናብ ዕዳጋ ይቐርብን ኣብቶም እቶም ትሰርሖም ዝተፈላለዩ ነገራት ዝውስኾ ዋጋን ዝተማሃርኩሉ ምዃኑ እዩ እቲ ፍሉይ ዝገብሮኣብ ኣህጉረይ ከኣ ገለ ፀለውቲ ነገራት ክገብር እዩ ሓሳበይ።”

ገለ ካብቶም መንእሰያት ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ዝሓዝዎም ነገራት ንምልላይ ፈቲኖም እዮም። ላይበሪያዊት ጃኒስ ላቭ ብሮፕለ ካብ ሃገራ ዘምፀኣቶ ባህላዊ መግቢ ኣብቲ እዋን ኣቕሪባ።

እቶም መናእሰያት ዑደቶም ወዲኦም ክምለሱ ከለው ዘይርሳዕ ተዘክሮታት፣ ዝዓሞቐ ምትእስሳር፣ ምሕዝነትን ዶብ ዝሰግር ርክባትን ከምዝረኸቡ ገሊፆም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG