ዋሽንግተን —
ወከልቲ በበይነን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ መበል 60 ዓመት ምስረታ ሕብረት ኣፍሪቃ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ብምርካብ ጸንቢሎም። ኣብ 1963 ብ32 ኣባላት ሃገራት ዝጀመረ ናይ ቅድም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕጂ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣባላት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝህልወን መገዲን ብምኽታም’ዩ ጀሚሩ።
ኣብ እዋን ምስረታኡ፡ እቲ ውድብ ንናጽነት ገና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝርከባ ሃገራት ብምጥባቕ፡ ንስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ-ኣፍሪቃ ጸቕጢ ኣብ ምፍጣር’ውን ዓቢ ግደ ምጽዋቱ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ካልኦት ኣዕኑድ እቲ ውድብ ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራት፡ ሕብረትን ምድግጋፍን ኣብ መንጎ ሃገራት የጠቓልል።
ካብ 2002 ኣትሒዙ ብወግዓዊ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተቐየረ እቲ ጥምረት፡ ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ናብ ቁጠባዊ ሽርክነት ዝለዓለ ምትሕብባር ክገብር ወሲኑ።
ሎሚ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ኮሚሽነር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ ነቲ ኣህጉር ገጢሙዋ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ መቃለሲ ባይታን ቃልሲ ንጽልዋ ዓበይቲ ሃገራትን ኰይና ምህላዋ’ዩ ኢሉ። እቲ ኮሚሽነር ወሲኹ እዚ ዝመስል ኣቃውማ ነታ ኣህጉር ንድሕሪት ከይመልሳ ዘለዎ ስክፍታ'ውን ኣካፊሉ።
ቅጥዒ