ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፅባሕ ኣብ ኣዲሳበባ ክራኸቡ‘ዮም


መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ
መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ
ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት‘ዩ። ደቡብ ሱዳንን ማእከላይ ኣፍሪቃን መዘራረቢ ክኾና ትፅቢት ኣሎ።ብዘይካ‘ዚ ኣሜሪካ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ገበን ዝፈፀሙ ክቅፅዑ ትፍትን‘ላ።

ናይ ሎም-ዘበን ኣኼባ መራሕቲ ኣብ ትሕቲ ”ሕርሻን ውሕስነት መግቢን” ዝብል ጭብጢ‘ዩ ክሳለጥ።እንተኾነ ነታ ኣህጉር ፀገም ይፈጥረላ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ቆላሕታ ረኪቡ‘ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብተፃባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ዝተኸትመ ውዕል ምቁራፅ ተኲሲ፣ ብጠንቂ ቀፂሉ ዘሎ ግጭት፣እቲ ውዕል ይትግበር ደኾን? ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ‘ሎ።

ርብዒ ህዝባ ብጠንቂ ኲናት ዝተፈናቀላ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ ምቋም ሓድሽ ምምሕዳር ናብ ሰላም ጉዕዞ ጀሚራ‘ላ።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪቃ ረቡዕ ምሸት ተኣኪቡ፣ብዛዕባ ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ሪፖርት ኣዳሚፁ።ንኩነታት ግብፂ‘ውን ገምጊሙ።እቲ ዝላዓል ሕቶ፣ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳዕ ክንደይ ነዞም ዝላዓሉ ህውከታት ክገትእ ይኽእል? ዝብል‘ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንትካል ማእከል መፅናዕቲ ፀጥታ ዝሰርሕ ፖል ሳይመን ”እቲ ዋዕላ‘ቲ፣ ደረኽቲ ውሳነታት ኣየሕልፍን።ኣብ ክንድኡ፣ኣቃልቦ ክገብር፣ ተፃባእቲ ወገናት ንውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ድሕሪ ምፍራሞም፣ ዝተወሰነ ጊዜ ንክዋሃቦምን ነቲ ዝኸተምዎ ውዕል ኣብ ባይታ ክትግብሩን ከለው ምክትታል እዩ ዝኸውን ስርሑ” ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኡጋንዳ ኣብ ግጭት ደቡብ ሱዳን ጣልቃ ምእታዋ ሓደ መዘራረቢ ኣጀንዳ ከምዝኸውን ትፅቢት ኣሎ።

ካምፓላ ኣብ‘ቲ ሰራዊት መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ከምዝተሰለፈት ብወግዒ ኣፍሊጣ‘ያ።እዚ ምዕባለ‘ዚ፣ተቃወምቲ ኣብ እዋን መኣዲ ልዝብ ቅሬተኦም ዝገለፁሉ ኮይኑ‘ዩ ሓሊፉ።

ሳይመን ፖል ኡጋንዳ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ፈቃድ ከይረኸበት ዝወሰደቶ ስጉምቲ መዘራረቢ ከምዝኸውን ይግምት።
ሕጋዊነትን ስልጣንን ጣልቃ ምእታው ኡጋንዳ ብርቱዓት ሕቶታት ከበግስ‘ዩ ይብል ንሱ።

ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኣሜሪካ ወኪለን ዝሳተፋ ብደረጃ ምክትል ምንስትር ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንስፊልድ‘የን።ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ገበን ዝፈፀሙ ክቅፅዑ ከምዘለዎም ገሊፀን።

“እቲ ዝውሰድ ማዕቀብ ኣብ መስርሕ‘ዩ ዘሎ።ሓደ ነገር ንፁር ክኸውን ዝደልዩ ነገር ኣሎ፣ኣብ ኩሎም ኣኼባታት ከምዝገለፅናዮ፣እዚ ንዛረበሉ ዘለና ነገር፣ኣርዚና ዝሓዝናዮ ነገር ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ” ኢለን።

ሊንዳ ቶማስ-ግሪንስፊልድ ወሲኸን፣ጎረባብቲ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዶባተን መሳገሪ ኣፅዋራትን ተዋጋእቲን ንከይኸውን ኣጠንቂቅናየን ኢና ኢለን።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ፈረንሳይን ሕብረት ኣፍሪቃን ኮይኖም ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣውሮዻውያን ወትሃደራት ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንክዋፈሩ ወሲኑ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG