ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጥም ፅዋዕ ኣፍሪቃ ብዓወት ዛምብያ ትማሊ ተዛዚሙ


ደቡብ ኣፍሪቃ ንቀፃላይ ፅዋዕ ኣፍሪቃ ንዓመታ ክተዳሉ ዕድል ረኺባ'ላ



ኢኳቶርያል ጊኒን ጋቦንን ብሓባር ዘዳለወኦ ናይ ሎም-ዘበን ግጥማት ፅዋዕ ኣፍሪቃ ትማሊ ብዓወት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ ተፈፂሙ።

ትማሊ ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ዝበፅሓ ጋንታታት ኣይቮሪኮስትን ዛምብያን እየን ነይረን።ግጥሚ‘ቲ ግጥም ኩሎም ተፃወታ ናይ ኣውሮዻ ተመክሮ ዝፀንሖም ተፃወቲ ጋንታ ኣይቮሪኮስት ብቀሊሉ ክስዕሩ‘ዮም ዝብል ግምት ተዋሂቡ ነይሩ፣ግን ግምት ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ።

ክልቲኤን ጋንታታት ቴስዓ ደቃይቅ ባዶ ንባዶ ነይረን።ሰላሳ ደቃይቅ‘ውን ተወሲኹ ሸቶ ክምዝገብ ኣይካኣለን።እቲ ዘገርም ኣብ ስሩዕ ጊዜ ፀወታ፣ጋንታ ኣይቮሪኮስት ዕድል ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ረኺባ፣ኮኸብ ተፃዋታይ‘ታ ጋንታ ድድየር ድሮግባ ክጥቀመላ ኣይካኣለን።ስሒትዋ።

ድሕሪ 120 ደቃይቅ ናብ ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ተሳጊረን።ሸውዓተ ጊዜ ሸቶ ኣመዝጊበን።ሻምናይ ፈተነ ክልቲኤን ጋንታታት ንኣይቮሪኮስት ካሉ ቱሬ ንዛምብያ ብካላባ ብሌዝስ ስሒተን።ጋንታ ኣይቮሪኮስት እንደገና ብጀርቪኖ ኣቢላ ንሻምናይ ሸቶ ስሒታ፥ዛምቢያ ተጠቂማትላ።ብኡ ኣቢሉ‘ውን እቲ ነዊሕ ትፅቢት ዝተገብረሉ ግጥም ፅዋዕ መን ዓተረ ተዛዚሙ።ዛምቢያ ሸሞንተ ኣይቮሪኮስት ሸውዓተ።

ኣይቮሪኮስት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ፅዋዕ ኣፍሪቃ ከምዝተቀበለት ዝዝከር‘ዩ። ዛምብያ ግና ንፈለማ ጊዜ‘ያ ሎም-ዘበን ንፅዋዕ ኣፍሪቃ ተዓዊታ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሻምፕዮናታት ፅዋዕ ኣፍሪቃ ተፃወቲ ዛምብያ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኣቀባብላ ሓርበኛታት ተገይሩሎም።ብዘይካ‘ዚ ፕረዚደንት‘ታ ሃገር ሩፕያህ ባንዳን ፕረዚደንት ነበር ኬነዝ ካውንዳን ኣብ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ‘ታ ጋንታ ክፅምበሩ‘ዮም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ንሳልሳይ ደረጃ ኣብ ሞንጎ ጋንታ ጋናን ማሊን ቀዳም ተካይዱ።ጋንታ ማሊ ንጋና ክልተ ንባዶ ኣፋንያታ።እዚ ደረጃ‘ዚ ንጋንታ ማሊ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ጊዜ ዝበፅሓቶ‘ዩ።ዓላሚ‘ታ ጋንታን ተሰለፍታን ልዑል ታሕጓስ ተሰሚዕዎም‘ሎ።

ብተቃራኒ ተፃወቲን ዓላሚን ጋና ዘይዕግበቶም ገሊፆም።ብሕልፊ ዓላሚ‘ታ ጋንታ ጎራን ስቲቫኖቪች፣ንስፖርታዊ ፀባይ ኣባላት‘ታ ጋንታ ዘተሓትት‘ዩ ኢሎዎ።ንሱ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ “ስለምንታይ ኣብ ሕድ-ሕድ ግጥም ሓደ ተፃዋታይ ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜይዳ ከምዝተሰጎገ ክርደአኒ ኣይካኣለን። ንዓይ ከምዝመስለኒ፣ንመንነት ተሰለፍቲ‘ታ ጋንታ ኣይፈለጥኩዎምን ነይረ” በለ።

ቀፃሊ ግጥም ፅዋዕ ኣፍሪቃ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ‘ዩ።ድሕሪ ሓደ ዓመት ንክካየድ ዝወሰነ ፈዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ‘ዩ።ምኽንያት እቲ ግጥማት ምስ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ኣብ ሓደ ወቅቲ እናተካየደ ንተፃወቲ፣ሃገራትን ፈደረሽናትን ተወሳኺ ፆርን ውጥረትን ስለዝፈጠረ።ስለዚ ንዓመታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ድሕሪኡ ዘሎ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማለት‘ዩ ኣብ ሞሮኮ ክዳለው‘ዩ።

XS
SM
MD
LG