ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጠባ ኣፍሪካ ተስፋ ዝህብ እዩ ተባሂሉ


Africa
Africa

ዓለምለኸ ክኢላታት ብዛዕባ ቁጠባ ኣፍሪካ ተስፍኦም ይገልፁ ኣለው።እታ ኣህጉር ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ብሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ምኢታዊ ክትዓቢ እያ።ኣብ 2008 ኣ/ፈ ቅልውላው ቁጠባ ዓለም ካብ ዝኽሰት እቲ ዝበለፀ ዕብየት እዩ።ኣብ መንጎ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ እናዓበይ ምኻድ ንኢንቨስትመንት ዝስሕብ ንፁር ፖሊስታት ቁጠባን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ንግዲ ርክባት ምውሳኽን ከም ምኽንያት ተጠቒሱ’ሎ።

እቲ ትንበያ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፡ብናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓትን ብማእኸል ትካል ምትሕብባርን ልምዓትን ዝተዳለወ ናይ 2014 ኣ/ፈ ናይ ኣፍሪካ ኢክኖሚያዊ ይንበያ እዩ።

ፅቡቕ ዜና ንኣፍሪካ ይብሉ ክኢላታት።ንመሰረተ ልምዓት ዝፈስስ ገንዘብ፣ምውሳኽጠለብን ንግድን ውሽጢ ሃገር ዕብየት ኣፍሪካ ጥዑይን ሰፊሕ መሰረት ዘለዎምን ክኸውን ገይሩዎ’ሎ።

ኣንጌላ ሉሲጊ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት ክኢላ ቁጠባን ኣማኻሪት ፖሊስን ኣፍሪካ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ዕብየት ብሃብቲ ፅዓት ወይ ብሰደድ ነዳዲ ጥራሕ እዩ ዝመፅእ ዘሎ ኢሎም ይሓስቡ ይብላ።ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዘይብለን ሃገራት እውን ይዓብያ ኣለዋ ኢለን።ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ናይ ዘፈር ሕርሻን ኣገልግሎታትን የርእይኦ ብዘለዋ ዕብየት እዩ እየን ዝበላ።

በመሰረት ናይዚ ዓመት ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚያዊ ትንበያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 2012 ኣ/ፈ ኣብ መንጉአን ዝገብርኦ ዕዳጋ 81 ሚሊዮን ዶላር እዩ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ክልተ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪካ ብሽዱሽተ ሚእታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ይመርሓ ኣለዋ።

10 ሚእታዊ ዝፅጋዕ ዕብየት ብምምዝጋብ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ትመርሕ ኣላ።ሳላ ሕርሻ፣ኢንዱስቱሪን ኣገልግሎትን ታንዛኒያ፣ኡጋንዳን ሩዋንዳን ካብ 6.5 ክሳብ 7.5 ምእታዊ ዕብየት ከመዝግባ ተተንቢዩ’ሎ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ እውን እቲ ዕብየት ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ብሸውዓተ ሚእታዊ ክዓቢ ክኢልታት ቁጠባ ትፅቢት ይገብሩ።

ደቡባዊ ኣፍሪካ፣ኣንጎላ፣ሞዛምቢክን ዛምቢያን ካብ 5 ክሳብ 7 ሚእታዊ ክዓብያ እየን።

እቲ ዕብየት ሳላ ምትሓት ዝቕባበ ብፍላይ ድማ ኣብ ዋጋ ምግን ብልህ ፖሊስታት ማክሮ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪካን እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍሪካ ዝውሕዝ ገንዘብ እውን ዝተረጋግአ ወይ ይውስኽ እዩ ዘሎ።

ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኣፍሪካዊያን ዝልኣኽ ገንዘብ እውን ዝተረጋግአ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።ኣብዚ ዓመት 67 ቢሊዮን ዶላር ክበፅሕ ትፅቢት ይግበር።ካብ ኣፍሪካዊያን ናብታ ኣህጉር ዝኣቲ ዘሎ ቕርሺ እቲ ዝዓበየ ፍልፍል ናይ ወፃኢ ገንዝበ እዩ።ኣብ ትምህርትን ክንክ ጥዕናን ኣገዳሲ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG