ቁጠባዊ ምዕባለ ኣፍሪካ ካብ 2009 ኣ/ፈ ጀሚሩ ተራኢዩ ብዘይፍለጥ ከምዝወርድ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ።ምኽንያት ምንቁልቋል ቁጠባ ብደረጃ ዓለም ብዘጋጠመ ምውራድ ዋጋ ኣቑሑት እዩ።ብኻሊእ ወገን ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ፅንዑን ዝለዓለን ዕብየት ከምዝርከብ ትካል ገንዘብ ዓለም/IMF/ ገሊፁ።
ኣፍሪካ ብቁጠባ ት ትግስግስ እያ ዘላ ዝብል ኣበሃህላ ሓጎፅጎፅ ዘጋጠሞ ይመስል ብመሰረት ሓድሽ ዝወፀ ትንበያ ባንኪ ዓለም።ናይታ ኣህጉር ቁጠባዊ ዕብየት ኣብዚ ሕዚናዮ ዘለና ዓመት ናብ 3.7 ሚእታዊ ክወርድ እዩ ይብል ትንበያ ባንኪ ዓለም።
ኣብቲ ትካል ናይ ኣፍሪካ ምኽትል ፕሬዝዳንት ማኽታር ዲዮፕ ኣብ ሰደድ ጥረ-ኣቑሑት ዝተመስረተ ቁጠባ ኣፍሪካ ዓብዪ ተፅዕኖ ዘለዎ ዓለምለኸ ምውራድ ኣቑሑት እዩ እቲ ምኽንያት ይብሉ።
‘’ናይ ወፃኢ ሃዋህው ይልወጥ እዩ ዘሎ’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣብ ቀንዲ ቁጠባታት ኣፍሪካ ምውራድ ኣሎ፤ኣብ ዓለም እውን ከምኡ።ዋጋታት ኣቑሑት እውን ብዘሰንብድ የንቆልቁል እዩ ዘሎ፤ሃገራታ ኣፍሪካ ዝህለወን ፈተናታት ንክዓቢ እናገበረ እዩ’’ኢሎም።
ምዝሕታል ቁጠባ ቻይና፣ምጥባቕ ቁፅፅር ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ኩነታትን ናይ ኣፍሪካ ከቢድ ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት እውም ተጠቒሶም ኣለው።
Deloitte Frontier Advisory ኣብዝተብሃለ ትካል ኣብ ምዕባይ ናይ ዝርከብ ዕዳጋን ኣፍሪካን ዳይረክተር ዝኾኑ ማርቲን ዴቪስ ግን እቲ ኣሃዝ ብፀጋታት ሃፍታም ብዝኾና ከም ናይጀሪያ፣ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ቁጠባ ዝተሸፈነ እዩ ይብሉ።ዓብዪ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ፣ጋዝ ወይም ፅዓት ዘይብለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ግን ብፅቡቕ ይዓብያ ኣለዋ።
እቲ ባንኪ ኣብ ፀብፃቡ ዓብዪ ፀጋታት ዘይብለን ከም ኢትዮጵያ፣ኣይቨሪ ኮስት፣ ሞዛምቢክ፣ ሩዋንዳን ታንዛኒያን ኣብዚ ዓመት እዚ ኣስታት 7 ሚእታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘመዝግባ ትፅቢት ይግበር።
ብኻሊእ ፀብፃብ ናይ ዓለም ትካል ገንዘብ /IMF/ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዘውፅኦ ሪፖርት ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ማክሮኢኮኖሚ ኩነታት ንዝተፈላለየ ናይ ወፃእን ውሽጥን ዘይምርግግኣት ዝተቓልዐ’ዃ እንተኾነ ኣብ ፅኑዕን ዝለዓለን ዕብየት ከምዝርከብ ሓቢሩ’ሎ።ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ 2014ን/2015 ኣ/ፈ ብ8.7 ሚእታዊ ከምዝዓቢ ገሚቱ’ሎ።እዚ ትንበያ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘቐመጦ ናይ 10.2 ሚእታዊ ዕብየት ዝወሓደ እዩ።
እቲ ምዕባለ ኣብ ምግስጋስ ዝርከብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግን ህንፀትን ዝተመስረተ ምዃኑ ይሕብር።
ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ናይ መንግስቲ ኢንቨስትመንት ከምዝንኪ ዝገመተ IMF በዚ ምኽንያት ናይ ውልቂ ኢንቨስትምነት ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕብር እቲ ፀብፃብ።
ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ናይ ወፃኢ ዕዳ ማዕረ 50 ምእታዊ ዓመታዊ እቶት ጂዲፒ እታ ሃገር ምብፅሑ ዘተሓሳስብ እዩ ክብል IMF ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ዓመታዊ እቶት 1.24 ትሪሊዮን ብር እዩ።
IMF ኣብ ሪፖርቱ ትሕቲ 10 ሚእታዊ ዝነበረ ናህሪ ዋጋ ኣቑሕት እናወሰኸ ይኸድ ስለ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ናይ ገንዘብ ፖሊሲኡ ጥንቃቐ ክገብር ሓቲቱ’ሎ።ድምፂ ይስምዑ።