ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራን ናይ 2020 ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስን


ናይ ምምራፅ መሰል ዘለዎም ኣብ ኣፍሪካ ዝተወለዱ ስደተኛታት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝወሰኸ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ 2020 ምርጫ ይሳተፉ ኣለውይብሉ ውዳበታት ዳያስፖራ ኣፍሪካ።ገሊኦም ግን ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዝነብሩ ካልኦት ኢሚግራንት ማሕበረሰብ ክነፃፃር ከሎ ናይ ንምርጫ ትርጉም ብዝህብ ብርኪ ኣይተወደቡን ክብሉ ይከራኸሩ።

ኣድመፅቲ ኣብ ናይ 2020 ምርጫ ፖለቲካዊ ጭዋድኦም ክጥቀሙ ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ የለዓዕሉ ኣለው።ነካ ኣቻፑ መስራቲት ኮሚቴ ህዝባዊ ጉዳያት ኣፍሪካ ዝተብሃለ ውዳበ እያ።ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ ዓቕሚ ከጥሪዩ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ ሻራዊነት ዘይብሉ ትካል እዩ።

ሸቶና ሰባት ዝስማዕ ድምፂ ከምዘለዎም ክፈልጡ ዓቕሚ ምፍጣር እዩ ዝበለት ንሳ ‘’ኣብ ፖሊስታት ድምፆም ትርጉም ከምዘለዎ፣ኣብዛ ሃገር ከም እንነብኣፍሪካዊያን ንዓና ኣብ ዝምልከቱናን ኣብ ዝፀድቑን ሕግታት ድምፆም ዋጋ ኣለዎ’'ኢላ።

ብመሰረት ናይ 2018 ኣ\ፈ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቆፀራ ህዝቢ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ኣብ ወፃኢ ዝተወለዱ ኣፍሪካዊያን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካይ ነብሩ።ልዕሊ 50.6 ሚታዊ ኢሚግራንትን ዜግነት ዝተውሃቦም ክኾኑ ከለው 99.4 ሚኢታዊ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦምን ናይ ምምራፅ መሰል ክህልዎም ዝኽእሉን እዮም።

ኣብ ሚኒያፖሊስ፣ዋሽንግተን ዲሲ፣ሁስቴንን ኒው ዮርክን ሓዊሱ ኣብ ብርከት ዝበላ ከተማታት ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ ብበዝሒ ይነብሩ።ፖለቲካዊ ዝንባለ ኣፍሪካዊያን ዳፓስፖራ ብዝምልከት ዝተገብረ ናይ ዳህሳስ መፀናዕቲ ግን የለን ይብል ጆን ካምፕቤል ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝመደብሩ ቤት ምኽሪ ርክባት ወፃኢ ላዕለዋይ ክኢላ መፅናዕትታት ፖሊስታት ኣፍሪካ።

ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ናይ ዓሌት መንነታት ብምንፅፃር ብዝተፈለየ ዝተወደበ ናይ ምርጫ ከባቢ ወይ ጉጅለ ንምምስራት ብዘኽእ ኩነታት ኣይተወደቡን ይብል።

ኣፍሪካዊ መቦቀል ዘለዎም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መረፀቲ ብቁጠባ፣ትምህርቲ፣ሓለዋ ጥዕናን ድሕንነትን ካብቲ ካሊእ ብዙሕ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን ይብሉ ኣተሓባበርቲ። ምኽኒያቱ ብዙሓት ኣፍሪካዊያን ኢሚግራንት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ኮቪድ 19 ኣብ ምምካት ይሰርሑ ስለዘለው።

ናይ ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ መረፅቲ ሓይሊ ይዓቢ ዘሎ ይመስል።ኣብ መንጎ 2010ን 2018 ኣ\ፈ በዝሒ ካብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ መፂኦም ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ሰባት ብ52 ሚታዊ ወሲኹ ኣሎ።ብደረጃ ሃገር ብርክት ዝበሉ ኣፍሪካዊያን ፖለቲከኛታት ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዝለዓለ ፖለቲካ መድረኽ ይዋስኡ ኣለው።

ኣብ 2018 ኣ\ፈ ኢልሃን ዖማር ፈላመይቲ ሶማሊያዊት ኣሜሪካዊት ካብ ሚኒሶታ ኣብ ዩናይትድ ስቴት ካብ ኤርትራዊያን ዝተወለደ ጆ ንጉሰ ካብ ኮሎራዶ ኣባል ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴት ስ ኮይኖም።ጆ ኤርትራዊ መቦቀል ዘለዎ ፈላማይ ኣባል ኮንግረስ እዩ።ብመሰረት ፒው ማእኸል መፅናዕቲ ዝተዛብዐ ኣመለኻኽታ እንተሃለወ እውን ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ኣፍሪካዊያን ኢሚግራንት ብማእኸላይ ኮሌጅ ወዲኦም ስራሕ ናይ ምሓዝ ዕድልኣለዎም።

ጆን ካምፕቤል ልክዕ ከም ኩሎም ኣሜሪካዊያን ንዕዖም ዝሰማምዖም ሕፁይ ክመርፁ እዮም ይብል።

ኣፍሪካዊ መቦቀል ዘለዎም ኣድመፅቲ ብፍሉይ ዘገድሶም ሓደ ጉዳይ ኢሚግሬሽን እዩ ይብሉ ኣወሃሀድቲ።ብዙሓት ስደተኛታት ኮይኖም መፂኦም ወይ ናብዛ ሃገር ተሰዲዶም ዝመፁ ኣባላት ስድርኦም ኣለዎም።

ከም ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ሶማሌን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት በብዓመቱ ሃዲሞም ዝመፁ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ይኣትው\ይመፁ።

በዚ ምኽኒያት ኣፍሪካዊያን ኣብ ቀረባ ብዝተኣታተወ በዝሒ ስደተኛታት ዝድርት ለውጢ ስርዓት ኢምግሬሽን ስኽፍታ ኣለዎም።

ኣብ 2016 ኣ\ፈ ካብ ኣፍሪካ 31,000 ሓዊሱ ዩናይትድ ስቴትስ ኣስታት 85,000 ተቐቢላ።ኣብ 2020 ኣ\ፈ 18,000ኣብ 2021 ኣ\ፈ 15,000 ክትቕበል እያ።እቲ ምንካይ በዝሒ ስደተኛታት ብመጀመሪያ ደረጃ ንህዝቢ ኣሜሪካ ንምክልኻልን ንምሕላውን ከምኡ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ንሓደጋ ዝቃልዑ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ዘላቒ ድልውነታ ንምርግ ጋፀን እዩ ይብል ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ፖለቲካዊ ስትራተጂስት ሳም ፋቲ ኣብ ጆርጂያን ኬንታኪን ኢሚግራንት ዜጋታት ንምርጫ ክምዝገቡ ዝሰርሕ የተሓባብር።ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ዩናይትድ ስቴት ንምእታው ዘፍቅድ ቪዛ ከይረኽቡ ዝተገብረ ናይ ጉዕዞ እገዳን ናይ ኣፍሪካዊያን ምብራርን ፖሊስታት ንመረፅቲ የተኣኻኽብ ዘሎ ኣጀንዳ እዩ ይብል ሳም።

ንባዕሎምን ንስድርኦምን ንምክልኻል ክብሉ ወፂኦም ከድምፁ ድልየት ኣለዎም።ብዙሓት ኣፍሪካዊያን ስድራታት ንክልተ፣ሰለስተ፣ኣርባዕተ ወለዶታት ካብኡ ንላዕሊ እውን ኣብዛ ሃገር ኣለው።ደቆም፣ደቂ ደቆም ሓለዋ ክግበረሎም ከምዝግባእ ይስምዖም።ነንሕድ ሕዶም ክተሓጋገዙ፣ሰባት ክምዝገቡን ክመርፁን ይሰርሑ ኣለው።

ኣድመፅቲ ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ ብዕቱብ ክንቀሳቐሱን ድምፆም ከስምዑን ዝገበሮም ጉዳይ ኢሚግሬሽን እዩ ይብል ፋቲ።

ኣብዛ ሃገር እናነበርና ግብሪ ንኸፍል እንተኾይንና ክንመርፅን፣ብቐጥታ ኣብ ዝትንክፉና ጉዳያት ሓደ ነገር ክንገብር ኣለና።ሓደ ፖሊሲ ንሓደ ሰብ ዝትንክፎ እንተኾይኑ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎ ርግፀኛ ክኸውን ኣለዎ።ኣብ ፖሊስ ኢሚግሬሽን ማሕበረሰብ ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ ነዚ እዮም ዝፍፀሙ ዘለው።

ናይ ኣቻፑ ውዳበ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ይንቀሳቐስ ኣሎ።’’በዚ መንገዲ ክትውስን ከለኻ....እወ!! እዚ ሕፁይ እዚ እዩ ንክብርታተይ፣ንስነ ምግባረይ ንምዕባለ ዝውክል ዝብል ክትውስን ከለኻ እዩ’’ ትብል።

ኣቻፑ ብምውሳኽ ንፈለማ ግዜ ዝመርፁ ሓዊሱ ኣፍሪካዊ መቦቀል ዘለዎም ሰባት በብከባቢኦም ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንዕኦም ዘገድሱዎም ጉዳያት ብዝግባእ ፈሊጦም ንቶም ሕፁታት ክሓቱዎም ተተባብዖም።

XS
SM
MD
LG