ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ይቕረታ ብምሕታቱ ዝጸንሐ ፍልልይ ከምዝተፈትሐ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ


ፕረዚደንት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣኪኑዋሚ ኣደሲናን - ፋይል
ፕረዚደንት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣኪኑዋሚ ኣደሲናን - ፋይል

ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ ብኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ድሕሪ ምንግላታዖም፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝዀኑ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ስሒቡ ዝጸንሐ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ናብ ግቡእ ስራሖም ክመልሶም ምዃኑ ሎሚ 19 ጥሪ 2024 ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ ምሉእ ውሕስነት ጸጥታ ክረክብ ምዃኑ ካብ ኢትዮጵያ መረጋገጺ ምርካቡ ሮይተርስ ሓቢሩ። ከም መግለጺ እቲ ባንክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት እቲ ባንክ ኣኪኑዋሚ ኣደሲናን ድሕሪ ምርኻቦም፡ በቲ ዘጋጠመ ክስተት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ይቕረታ ምሕታቱ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ተጠፋፊኡ ዝተባህለ ዝውውር ገንዘብ ኣብ ዝግበር መርመራ ክተሓባበር ምስምማዑ’ውን ሮይተስ ጠቒሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG