ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ዜጋታት ወጻኢ ዜጋታት ከውጽኦም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ


ኣኪኒዉመ ኣዲሲና ፕረዚደንት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ- ፋይል
ኣኪኒዉመ ኣዲሲና ፕረዚደንት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ- ፋይል

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣባላቱ ብጸጥታ ኢትዮጵያ ዝገጠሞም ምክልባት ዝግበኦ ግብረ-መልሲ ኣይረኸበን ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ብህጹጽ ከውጽኦም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

በቲ ባንክ ዝወጽአ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ስጕምቲ ንዘቤታውያን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣይምልከቶምን’ዩ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ቀንዲ ናብዚ ውሳነ ዘብጽሖ ብ31 ጥቅምቲ 2023 ክልተ ኣባላቱ ብኣባላት ጸጥታ ዝወርዶም ማህረምቲን ብዘይ ግቡእ መስርሕ ንኽልተ ሰዓታት ድሕሪ ምእሳሮምን ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቲ ባንክ ነቲ ተግባር "ንዲፕሎማሲያዊ መስርሕ ዝጻረር’ዩ፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገር እንተዘተየሉ’ውን ዘዕግብ መልሲ ዘይምርካቡ ይሕብር።

ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ነታ ሃገር ጠቕሊሎም ዝለቅሉ መቓን-ግዜ ኣይተሓበረን። ብመሰረት ክሳብ መስከረም 30 ብዝነበረ ሓበሬታ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ 1.24 ቢልዮን ዶላር ዘንቀሳቕስ 22 ፕሮጀክታት ከም ዘለዎ ዝሓበረ ሮይተርስ፡ ስራሕቱ ከመይ ክቕጽሎ ከምዘየነጸረ ይገልጽ።

ምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝዀነ ኢዮብ ተካለኝ በቲ ፍጻመ ዝተሰምዖ ሓዘን ንሮይተርስ ኣካፊሉ ኣሎ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ካብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዖን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG