ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023


ጸብጻብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00

ጸብጻብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ሻምፕዮና ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፣ ብሰንኪ ሓንቲ ሸቶ ኣብ ቀዳማይ መጻረዪ ግጥማት ካብቲ ውድድር ተገሊፋ'ላ። ግኑን ስምን ዝናን ዝጸንሓ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ድማ ካብ ውድቀት ድሒና'ላ።

ኣንጎላ ብዘዕግብ ነጥቢ ናብ ግጥማት-16 በቒዓ ኣላ። ብኣንጎላ ዝተሳዓረት ቡርኪናፋሶ’ውን ሓሊፋ ኣላ።

ጋንታ ካሜሩን፣ ንህልውናኣ ኣበርቲዓ ትቃለሰሉ እዋን ኮይኑ ካብ ምድባትመርሕ ዘላ ሴነጋል ብሙሉእ ነጥቢ ማለት ትሽዓተ ነጥቢታት ኣዋህሊላ ናብ ግጥማት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ሰጊራ ኣላ። ካብ’ዚ ምድብ፣ ጊኒን ጋምቢያን ተገሊፈን ኣለዋ።

ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ኣይቮሪኮስት፣ ጋናን ጋምቢያን ብሰንኪ ናይ’ተን ጋንታታት ስዕረትን ናብ ግጥማት 16 ክሓልፋ ዘይምኽኣልን፣ ካብ መዝነቶም ዝተሰጎጉ ፈላሞት ኣሰልጠንቲ ኮይኖም ኣለው።

መጻረይ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ሎሚ ረቡዕ ክዛዘም እዩ። 16 ጋንታታት ዘሳትፍ ግጥማት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ድማ ቀዳምን ሰንበትን ክቅጽል እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG