ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስኮት ጽዋዕ ኣፍሪቃ 2023…


ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀሪያ ሆዜ ፔሴሮ፡ ብዛዕባ’ቲ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዘሎ ምምላስ ኣጥቃዒ እታ ጋንታ ዖመር ሰዲግ ናብ ክለቡ ሪያል ሶሲዳ ከም ዘገርሞ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝህቦ መብርሂ ገሊጹ።

ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ኣንጻር ኢኳተሪያል ጊኒ መስበርቲ ገጢሙዎ፡ ብሓካይም እታ ጋንታ ን15 መዓልታት ካብ ጸወታ ክርሕቕ ምዃኑ ዝተነግሮ ዖመር ሰዲግ፡ ኣሰልጣኒ ስጳኛዊት ክልተ ሪያ ሶሲዳ ግን ቅድሚ ገለ መዓልታት እቲ ተጻዋታይ ናብ ክለቡ ተመሊሱ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ጸወታ’ውን ከርክብ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ወረ ግን ንኣስልጣኒ ናይጀሪያ ኣገሪሙ ኣሎ።

ክለባት ኤውርጳ ምሩጻት ተጻወተትን ምስ ሃገውያን ጋንታታቶም ኣብ ዝህሉዎም ጸወታታት ከይስበሩ ወትሩ ምስ ተሻቐላ’የን። ከትርፈኦም ዝፍትና’ውን ውሑዳት ኣይኰናን።

ንኣብነት ሓላዊ ልዳት ማን ዩናይትድን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ዝዀነ ኣንድረ ኦናና ምስ ክለቡ ንኽጻወት ስለ ዝደንጎየ፡ ሃገራዊት ጋንታኡ ኣብ ዝገበረቶ ፈላማይ ጸወታ’ውን ኣይተሰለፈን።

ኣብ ናይዚ ዓመት (2023 ዓመተ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብወግዓዊ ኣጸዋውዓኡ) ክዕወታ ትጽቢት ካብ ዝግበረለን ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ፈላሚ ጸወታአን ካብተን ትሑት ግምት ዝወሃበን ጋንታት ብድሆ ይገጥመን ኣሎ። ገሊኣተን ተሳዒረን ካልኦት ድማ ነጥቢ ክማቐላ ተገዲደን።

ገለ ካብቲ ዝጥቀስ፡ እታ ሸውዓተ ግዜ ጽዋዕ ኣፍሪቃ ዝዓተረት ግብጺ ምስ ሞዛምቢካ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ማዕረ ተፈላልያ። ኣብ ውዱእ ሰዓት’ያ ብመሓመድ ሳላሕ ብዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ድሒና።

እታ ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እትሳቐ ዘላ ማሊ ንደቡብ ኣፍሪቃ 2 ብ 0 ቀጺዓ። እታ ትሑት ግምት ዝወሃባ ናሚብያ ንቱኒዝያ 1 ብ 0 ስዒራ። ሓሙሽተ ግዜ ጽዋዕ ኣፍሪቃ ዝዓተረት ካሜሮን ምስታ ብ10 ተጻወትቲ ውድድራ ዝወድአት ጊኒ ማዕረ ወጺኣ። እታ ንቪክትሮ ኦሲመን ዝሓዘት ናይጀሪያ ምስ ኢኳተሪያል ጊኒ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ማዕረ ተፈላልያ።

እዘን ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታት ቅልጡፍ ስርርዕ እንተ ዘይገይረን፡ ኣቢጃን ትርሕዘን ኣይትመስልን።

ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ምድብ ሽዱሽተ ንፈለማ እዋነን ክገጥማ’የን። ኣብ ናይ ሎሚ ሰሌዳ ሞሮኮ ምስ ታንዛኒያ፡ ከምኡ ድማ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ኣንጻር ዛምቢያ ክገጥማ’የን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG