ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ተሓባቢርኩም ብዝብል 13 ሰባት ምእሳሮም ሓደ ነባሪ ክልል ዓፋር ገሊፆም


ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣስሓይታ ዝነብሩ ሰባት ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ታሓባቢርኩም ብዝብል ኣባልት ስድርኦም ከምዝተኣሰርዎም ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣባል ቤተሰበይን ፈተውተይን ተወሲዶምኒ ዝበሉ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ኣሕመድ ከቢር ናይ ዝተኣሰሩ በዝሒ 13 ሰባት ምዃኖምን መናእሰይን ዓብይትን ከምዝርከብዎምን ሓቢሮም።ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝወሰድዎም’ውን ኣረዲኦም።

ኣቶ ኣሕመድ መንቀሊ እቲ ማእሰርቲ ኣበይ ከምዝርከብዃ ዘይፈልጥዎ ናይ ዓሌቶም ኣባል ዝኾነ ሽፍታ ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ገሊኦም ዝተኣሰሩ ሰባት ቁፅሪ ዝጠቐሱ ኣቶ ኣሕመድ ንቶም ዝተኣሰሩ ምብፃሕ ይኹን ናብዝተኣሰርሉ ቦታ ከይዶም ክሪኢዎም ከምዘይፍቀደሎም ወሲኾም ሓቢሮም።

ብኣቶ ኣሕመድ ከቢር ዝተገለፀ ሓቂ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ንምርግጋፅ ንናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላልዩ ብርኪ ንዝርከቡ ሓለፍቲ ንምርካብ ንሰለስተ ማዕልታት ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።
XS
SM
MD
LG