ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓብዱልረዛቕ ኣሕመድ ንኹነታት ግብጺ ይግምግም


ሙባረክ ናይ ውግእ ጅግና ምዃኑ መንእሰያት ግብጺ ኣይፈልጥዎን`ዮም ይብል

ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ነቶም ደቂ ሳላሳን ትሕቲ ሳላሳን ዕድመ ዘለዉ መእሰያት ተቐባልነት ኽህልዎ ኸምዘይክእል ዝገልጽ ኣቶ ዓብደረዛቕ ኣሕመድ ጣሃ፡ ሙባረክ ብህዝቢ ተሰጒጉ ክሳብ ዝወርድ ምጽባዩ ውርደት`ዩ ኢሉ።

ሓላፍነት ግብጺ ሕጂ ኣብ ኢድ`ቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ`ታ ሃገር ከምዘሎ`ውን ጠቒሱ።

ሙባረክ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ፡ ኣብታ ሸርሚ-ሸኽ ተባሂላ ትፍለጥ መዛነይት ከተማ ወሰን ባሕሪ ከምዝርከቡ`ዩ ዝእመን።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ ዓብደልረዛቕ ኣሕመድ ጣሃ፡ ኣብ`ዚ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG