ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኔዘርላንድስ ግቡእ ዓጸፈታዊ ስጉምቲ ከምትወስድ ኣፍሊጣ


ህንጻ ቤት ጽሕፈት ቆስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ኔዝርላንድስ - ምስሊ ሳተላይት
ህንጻ ቤት ጽሕፈት ቆስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ኔዝርላንድስ - ምስሊ ሳተላይት

ሚንስትሪ ወፃኢጉዳያት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሆላንድ ቆንስል ኤርትራ ንዝነበሩ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ምስጓጓ ዘይቅቡል ተግባር ክብል ኾኒንዎ።

ናይ ኤርትራ ቆንስል ኣብታ ሃገር ከይሰርሕ ምእጋድ ምስ ናይ ቪየና ፕሮቶኮል ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ዘይሰማማዕ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኔዘርላንድስ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈፀምዎ ዘይቅቡል ዝበሎም ተግባራት እውን ብምዝኽኻር ኣብ ልዕሊ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ፅሕፈት ዘቕረቦም ጠቐነታት እውን ነፂጉዎ’ሎ።

ናይ ኔዘርላንድስ ተንቀሳቓሲት ኣምባሳደር ንኤርትራ ብዛዕባ ዘይምሕዝነታዊ ተግባራት መንግስተን መብርሂ ክህባ ብሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ከምዝተፀውዓ`ውን እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣተሓሒዙ ሚንስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ኤርትራ ነቲ ብኔዘርላንድስ “ዝተገብረ ጌጋ ብኸፊል ዝምልስ ግቡእ ዝኾነ ናይ ግብረ መልሲ ስጉምትታት ክወስድ ኣብ ግምት ኣእትዩ`ሎ” `ውን ይብል።

መንግስቲ ኤርትራ ንእግሪ ምትካልን ዳግመ-ሕውየትን ኣብ ወፃኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ 2 ሚእታዊ ግብሪ ክኸፍሉ ምግባሩ ሕጋውን ልኡላዊ መሰሉን እዩ ኢሉ`ሎ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ`ቲ ሎሚ ሓሙስ ዘውጽኦ መግለጺኡ።

መንግስቲ ኤርትራ “2 ሚእታዊት መሕወዪ ግብሪ” ነቲ ኣዋጅ ካብ ዘውጸኣሉ ካብ 1994 ጀሚሩ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG