ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብታ ሃገር ክወጽእ ሚ.ወጻኢ ጉዳያት’ታ ሃገር ሓቢሩ


ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ፡ ኣስገዳድ ቀረጽ ተኽፍሉ ኣለኹም ብዝብል ካብ`ታ ሃገር ክወጽእ ብሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት`ታ ሃገር ተነጊርዎ።

ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ብወገኑ፡ ኣገልግሎት መንግስቲ ኤርትራ ዝሓተተ ዜጋ፡ ብፍቓዱ መሕወይ ግብሪ ክኸፍል ዝጸንሐ ሕጊ `ዩ፡ ንሕና ግን ክፈል ኢልና ዘገደድናዮ የለን ይብል።

ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮውሃንስ ድማ፡ ፓርላማ ሆላንድ ብዝገበሮ ምርመራ ኣባላት ፓርላማ ክሳብ ምዕጻው ኤምባሲ ኤርትራ ሓቲቶም ኔሮም`ዮም ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኔዘርላንድስ ግን ንኣቶ ተኸስተ ብምብራር ማእከላይ ውሳነ ክወስድ መሪጹ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG