ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲያትል -- ኣብ መሬት ዝነበራ ነፈርቲ መጠናዊ ምግጫው ኣጋጢሙ፡ ዝተጎድአ ወገን የሎን


ኣብቲ ሓደጋ ዝተጎድአ ወገን የሎን
ኣብቲ ሓደጋ ዝተጎድአ ወገን የሎን

በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ንብረት መንገዲ ኣየር ጃፓን ዝዀነት ናይ ህዝቢ ነፋሪት ብመንገብገባ ገይራ፡ ንኻልእ ንምብርራር እትቀራረብ ዝነበረት ንብረት መንገዲ ኣየር ደልታ ሃሪማ። ብረቡዕ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሲያትል ዘጋጠመ ክስተት ኣብታ ተሃራሚት ነፋሪት ደልታ 142 ተጓዓዝቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብ ክልተኡ ወገን ዝተጎድአ ሰብ ከም ዘየሎ ሰብ-መዚ ገሊጾም።

እታ ንብረት መንገዲ ኣየር ጃፓን ዝዀነት ነፋሪት ካብ ቶክዮ ዝነቐለት ክትከውን እንከላ፡ እታ ንምንቃል እትዳሎ ዝነበረት ነፋሪት ድማ ነቲ ዝነበረ በረድ ድሕሪ ምምካኽ ንመክሲኮ ንምብራር ትቀራረብ ዝነበረት’ያ።

እዚ ፍጻመ ዘጋጥም ዘሎ ሰሙን ድሕሪ 67 ሰባት ዝቐተለ ምግጫው ክልተ ነፈርቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ዋሺንግተን ዲሲ’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG