ኣብ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ንኣፍገደ ባሕሪን ምምስራት ሓይሊ ባሕሪን ኣመልኪቱ ዝተበጽሐ ስምምዕ መዘከር፡ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ዳርጋ ናብ ዓመት ዝኸደ ምትፍናን መሪሑ’ዩ። እቲ ታሪኻዊ ዝተሰመየ፡ ሓያሎ ሓጎጽጎጽ ዘስዓበን መዘከር፡ ንዳግመ ልፍንቲን ምትእስሳርን ሓይልታት እቲ ዞባ ኣስዒቡ። ከም ውጽኢቱ ስሉሳዊ ኪዳን ኣብ መንጎ ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ዝዀነ ግብጺ፡ ሶማሊያን ኤርትራን ተፈጢሩ። ኣብ ኣንካራ ኣብ መፍርቕ ወርሒ ታሕሳስ ዝተበጽሐ ኣፈናዊ ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ከምኡ’ውን ሓድሽ መንግስቲ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዓመተ 2025 እንታይ ለውጢ ከም ዘምጽእ ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ’ዩ።
ዝምድና ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝሻሕከረሉ ዓመት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፖለቲካ’ውን ነታ ሃገር ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስእነት ምርግጋእን መሪሑዋ’ዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ ምስ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኦሮሚያ ምስ በበይኖም ሓይልታት ብቐንዱ ድማ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝግበር ቃልሲ፡ ድሕሪ’ት ዝግታ ዝተራእዮ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ንብኹረት ሓያሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መሪሑዋ። እዚ ኣብ ወገን ጸጥታ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ከቢድ ጸቕጢ ኣለቃሕቲ ኣካላትን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፡ እታ ሃገር ዝወሰደቶ ፋይናንሳዊ ፖሊሲ’ውን ንመንባብሮ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ጽዕንቶ ወሲዱዎም’ዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንትግራይ ዝመርሐ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ፍልልይን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ኣከራኻሪ ጉባኤን፡ ነቲ ክልል ኣብ ፖለቲካዊ ሕጎጽጎጽን ምትፋናን ኣምሪሑ፡ ዛጊት መዕረፊ ኣይረኸበን። ቅድሚ ናብቲ ጉባኤ ምምራሕ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ውድብ ንዓሰርተታት መዓልታት ዝተኻየደ ውሽጣዊ ግምገማን ናይ ድሕሪ ኲናት ምትሕታትን ነቲ ፍልልይ ኣግፊሑ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን’ዩ ኣምሪሑ። እምበኣር ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ኣብ ክልተ ዝተገማምዐ መሪሕነትን እንኮላይ ንሱ ዝፈጠሮ ክፍተት፡ ኣብቲ ክልል ዝተርእየ ሰፊሕ ሃብቲ ማዕድን ናብ ግቡእ መዓላ ዘይወዓለሉ ዓመት ኰይና’ያ ትሓልፍ ዘላ።
ሱዳን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ነታ ሃገር ናብ ኣስከሬን ኣትሪፉ፡ ትሕተ-ቅርጻን ሃብታን ባሕጒጉ ኣሎ።
ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝቕመጠን 70 ዝበጽሓ ሃገራት ኣብ 2024 ሃገራዊ ምርጫ ኣካዪደን። እዚ ኣብ ከም በዓል ኣመሪካን ዓዲ-እንግሊዝን ዝኣመሰላ ሃገራት ነቶም መዝነት ዝነበሩ መንግስታት ብምርጫ ክኣልዩ እንከለዉ፡ ኣብ ከም በዓል ፈረንሳይን ጀርመንን ዝኣመሰላ፡ ቅድሚ እዋን ምርጫ ህጹጽ ምርጫ ንዝፈተኑ መራሕቲ ድማ ኣንጻር ትጽቢቶም ውጽኢት’ዩ ተቐቢሉዎም። ንመንግስታት ዘደስከለን ኣብ ቍጠባዊ ደውታ ዝመርሐን ከምኡ ድማ ዕብየት ርሑቕ የመናውያን ሓይልታት ዝተራእየሉን’ዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ንፈለማ እዋን ዓብላልነት ዝሰኣነሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከም በዓል ሴነጋል ዝኣመሰላ ድማ ሓደስቲ ሓይሊ መንእሰያት ዝተራእየሉ ምርጫ ኰይኑ ኣሎ።
ካብ ምርጫ ሕልፍ ዝበለ ተርእዮታት ድማ ኣብ ከም በዓል ደቡብ ኮርያ ተራእዩ ኣሎ። ንሰዓታት ዝኸደ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምሕደራ ዘሕለፈ ፕረዚደን ዩን ሱክ ዮወል፡ ብሰንኩ ካብ መዝነቱ ወሪዱስ ኣብ መጨረሽታ ድማ ክሳብ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ’ውን ተመሓላፉሉ። ብሰንኪ ደቡብ ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ሰለስተር መራሕቲ ሃገራት ርእያ።
ኣብ ሶርያ፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝቐጸለ ምምሕዳር ስርዓት ኣል-ኣሳድ ተኣልዩ ኣሎ። ኣብቲ ን13 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ሞይቱ። እታ ካብ ሓመድ-ሓሙኽሽቲ እትወጽእ ዘላ ሃገር እምበኣር መጻኢኣ እንታይ’ዩ ክኸውን ገና ኣብ ቀርና መንገዲ’የ ዘላ።
7 ጥቅምቲ 2023 ብመጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝጀመረ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ 15 ኣዋርሕ ኣብ ዝመልኣሉ፡ ዛጊት ከም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዛጊት ልዕሊ 45-ኣስታት ቀቲሉ፡ 110 ሽሕ ድማ ኣቝሲሉ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝጀመረ ጎንጺ ግን ኣብ 2024 ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሊባኖስ ከምኡ እናበለ’ውን ብገለ መልክዑ ክሳብ ኢራንን ጸኒሑ ድማ የመንን ቀጺሉ።
ኣብ ለካቲት 2022 ዝጀመረ ወራር ዩክሮን፡ እቲ ኲናት ካብቲ ፈላም ብሩስያ መብጽዓ ዝተኣትወሉ ግዜ ኣዝዩ ተናዊሑስ ሎሚ ዳርጋ ንምሉእ ትሕተ-ቅርጺ ዩክሬን የዕንዩ ኣሎ። ኣብዚ ኲናት ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ሓያሎ ሓይልታትን ሃገራትን ብቐንዱ ድማ ኪዳን ሰሜትን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ይሳተፍ ምህላዉ ርዱእ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ስልጣን ዶልናድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ 20 2025 እንታይ ኣንፈት ከም ዝሕዝ ግን ኣይነጸረን። ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ፡ ነቲ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ክውድኦ ምዃኑ’ዩ ትራምፕ ቃል ዝኣቱ ነይሩ።
ዓመተ 2024 ሓያሎ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎዝ ዝተራእየላ ዓመት ደኣ ትዅን እምበር፡ ገለ ኣተስፈውቲ ዜናታት ብሕልፊ ድማ ኣብ ስፖርት ግን ተመዝጊቦም’ዮም። ካብ መንጎኦም ብዓለማዊ ማሕበር ኣትለቲክስ ናይዚ ዓመት ካብ ስታዩም ወጻኢ ኣብ ዝተገብረ ቅድድም ዝበለጸ ኣትለት ዝተሰየመ ታምራት ቶላ፡ ንኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ዝረኸበት እንኮ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ኣግዚሙዋ ኣሎ። ካብቲ ፍሉይነት እቲ ወዲ 33 ዓመት ታምራት፡ ኣቐዲሙ ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ መደብ ዘይነበረ ኰይኑ፡ ክልተ ሰሙን ምስ ተረፎ ጥራይ’ዩ ቅያር’ቲ ፈለማ ተሓርዩ ዝነበር ሲሳይ ለማ ኰይኑ ብምእታው ኣንጻባራቒ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ኣብ ካልእ ትስፉው ስፖርታዊ ዜና ናይ ዕመተ 2024 ዓወት’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝበልጸ ኣፍሪቃ ተቐዳዳሚ ብሽልክታ ዝተሰምየ ቢንያም ግርማይ’ዩ። ንሰለስተ መድረኻት ዙር ፈረንሳይ ናይ ዓመተ 2024 ዝተዓወተ ቢንያም፡ ንሃገሩ ኤርትራን ኣህጉር ኣፍሪቃን ንፈለማ እዋን ናይ ቅጽበታዊ ቅድድም ቀጣልያ ማልያ ኣግዚሙዋ። ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ-ዓለማት ን16 መድረኻት ዓወት ዝደየበ ቢንያም፡ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ስሙ ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዓመተ 2024 እምበኣር ኣዝዮም ብዙሓት ፍጻመታት ርእያ’ያ ትሓልፍ ዘላ።
ቅጥዒ