ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድን ትማሊ ረቡዕ 25 ታሕሳስ ምሸት ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ምዕባለታትን ከም ዝዘተዩ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ኣካል ቀጻሊ ናይ ምምኽኻር ርክብ ከም ዝኾነ ዝተገልጸ ዘተ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ሶማልያ ከም ዓባይ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጠን፡ ርግኣታ ምርግጋጽን ምውሓስን ፡ ንሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ፡ ነዚ ኣብ ዝሕግዝ ዛዕባታት ብዕምቆት ከም እተመያየጡ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።
ፕረሲደንት ኢሳይያስ እቲ ዞባ ካብቲ ጠንቂ ዕግርግርን ሕንፍሽሽን ዝኸውን ኣጀንዳታት ሒዙ ዝመጽእ ግዳማዊ ምትእትታዋት ነጻ ኮይኑ ጉዳያቱ በዓሉ ከመሓድርን ክፈትሕን ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኣብቲ ምስ ሶማላዊ መዘናኡ ዝገበሮ ርክብ ከም ዘመልከተ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሶማልያን ግብጽን ጥቅምቲ 10 ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ብቐንዱ ነቲ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ፡ ሰላምን ርግኣትን ሶማል ንምውሓስ፡ ብሰፊሑ ድማ ንረብሓታት ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘገልግል እምበር ካልእ ዕላማ የብሉን ክብል’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ።
ፕረሲደንት ሓሰን ንኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ርግት ሶማልያ ንምውሓስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህንጸት ሃገራዊ ሰራዊትን ልኡላዊ ትካላትን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ፡ ብምጥቃስ፡ ጽምጾ ክልተ ሃገራት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ ኢሉ።
ትማሊ ረቡዕ 25 ታሕሳስ ምሽት ኣስመራ ዝኣተወ ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሽኽ መሓሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ 26 ታሕሳስ ረፋድ ናብ ሃገሩ ከም እተመልሰ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ኣዋጅ ኣንካራ’ዩ ናብ ኣስመራ መጺኡ። ናይ ትማሊ ረቡዕ መንገሻ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2022 መዝነት ካብ ዝሕዝ ንደሓር ንሻሙናይ እዋኑ ምዃኑ’ዩ።
ቅጥዒ