ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ልደት -- ኣብ ትሕቲ ሰግለለት ኲናትን ተስፋን


መልእኽቲ ልደት ሊቃነ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ፍራንሲስ
መልእኽቲ ልደት ሊቃነ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ፍራንሲስ

ኣብ በበይኑ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትያን፡ ሎሚ ረቡዕ ንዝጽንበል ዘሎ ልደት ኣብ ትሕቲ ሰግለለት ኲናትን ተስፋ ንዝሓሸ መጻኢን ይጽንብሉ ኣለዉ።

ደረት መኸተምታ ኣብ ዘይርኣየሉ ዘሎ ኲናት ቓዛ፡ ሊቃነ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ ብምኽንያት እዚ ዓለም ኣብ ዘስምዑዋ ቃል፡ ኣመንቲ ኣብዚ ዕለት ነቶም ብኣፈ-ሙዝ ብረት ዝቕተሉ ዘለዉ ህጻናትን ብቦምባታት ዝዓኑ ዘሎ ኣብያተ-ትምህርቲን ሕክምናን ክዝክሩ ጸዊዖም። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ብግጭት ዝተዓብለለት ካልእ ዓመት ንሰግር ምህላውና ዘሕዝን’ዩ ክብሉ’ውን ገሊጾም።

በዓል ልደት -- ኣብ ትሕቲ ሰግለለት ኲናትን ተስፋን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:02 0:00

ሞስኮ፡ ኣብ በዓል ልደት ንመደበር ሓይሊ መብራህቲ ዩክሬን’ያ ዓሊማ። “ኣብ በዓል ልደት መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ዝኸፍእ ተግባር የሎን፡” ኢሉ ፕረዚደንት ዩክሬን ቪልድየመር ዘለንስኪ ካብ ሩስያ ንዝተተኰሰሉ 170 ቦምባታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ዩክሬን ብልምዲ ምስ ልደት ኦርቶዶክስ ን7 ጥሪ በዓል ልደት ከተኽብር ዝጸንሐት ኰይና፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት’ያ ካብ ሩስያ ንምፍላይ ናብ 25 ታሕሳስ ኣሰጋጊራ።

ኣብታ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተወልደላ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕሳ ቤተልሄም ናይ ምዕራባዊ ገማግም፡ ፍልስጤማውያን ነዚ በዓል ኣብ ትሕቲ ቅዙን ስምዒት’ዮም ዝሓልፉዎ ዘለዉ።

ካብ ምጅማር ኲናት ቓዛ ኣትሒዙ፡ ቤተልሄም ንጽንብል ልደት እትገብሮ ዝነበረት ምሽብሻብ ሓዲጋቶ’ያ። እንተዀነት ነቲ ዕለት ዘዘኻኽር ጨለምታ ግን ኣይጠፍአን።

ገለ ነበርቲ ቤተልሄም እዚ በዓል ተስፋ ንዘይምቝራጽ ከም መዘኻኸሪ ክጥቀሙሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ እምነቶም ዘሐድሱሉን ብተስፋ ዘማዕድዉሉን ምዃኖም ይነግሩ።

ኣብ ቓዛ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ኣመንቲ ክርስትና ይርከቡ። ኣማኢት ካብኣቶም ናብ ሎሚ ዘውግሕ ኣብ ዝገበሩዎ ጸሎት፡ እቲ ዝሓልፉዎ ዘለዉ ሕሰም ከብቅዕ ጸልዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታያሁ’ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንቲ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሃገሩ ኣንጻር “ሓይልታት ጸልማት” ኢሉ ኣብ ዝጸውዖ እትግበሮ ዘላ ቃልሲ ምድጋፎም መጒሱ።

ጀርመናውያን ድሕሪ ናይ ቀዳም ኣሕዛኒ ፍጻመ ንሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ ን200 ዘቝሰላ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ ሰንፈላል ኰይኖም’ዮም ንበዓል ልደት ተቐቢሎም። ስለዚ ከኣ’ዩ ፕረዚደንት ፍራንክ-ዋልተር ስቴንሜር፡ ካብ ልሙድ ወጻኢ፡ ናይ መበራትዒ መልእኽቲ ዘስምዐ።

ኣብ ቦናስ-ኣይረስ ኣርጀንቲና፡ ኣሽሓት ነበርቲ፡ ልደት ምስቶም ገዛውቲ-ኣልቦ ዝዀኑ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዜጋታት የብዕሉዋ ኣለዉ። ዳርጋ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣርጀንቲና ብዝርአ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ዝተጸልወ ኰይኑ፡ በዓል ልደት ነቶም ብሰንኪ መነባብሮ ንቡር ህይወት ዝሰኣኑ ኣብ ምብርታዕ ኣውዒሎም ኣለዉ።

ኣብ ፈረንሳይ ኣመንቲ ኣብ ቤት ክርስታይን ኖተርዳም ብምእካብ ጸሎት ልደት ተኻፊሎም። እቲ ዓቢ ቤት ክርስትያን ኣብ 2019 ሓደጋ ሓዊ ምስ ኣጋጣሞ ሎሚ ዓመት’ዩ ተዓርዩ ናብ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG