No media source currently available
ኣብ 2010 ናብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝመጸት ሰላም ርእሶም፡ በይና ኮይና ቆልዓ ክተዕቢ ከቢድዋ`ኳ እንተነበረ ድሒሩ ግን ትምህርቲ`ውን እናኸደት ነቲ ከም ኣተኣናጋዲት ኮይና ትሰርሓሉ ዝነበረት ቤት መግቢ ኣዲስ፡ ክትውንኖ በቒዓ። ገና ኣብ እግሪ ተኽሊ ንግዲ ከላ ለበዳ ኮቪድ-19 መጽዩ ከቢድ ፈተና ኮይንዋ`ኳ እንተነበረ፡ ኣገባብ `መግቢ ሒዝካ ምኻድ` ተጠቒማ ዳግም ክተበራብሮ ምኽኣላ`ውን ትገልጽ።