ተሰላፋይ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን ዝዀነ ሮድሪጎ ሀርማንድዝ ካስካንተ (በቲ ልሙድ መጸውዒ ስሙ “ሮድሪ)” ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ብምስያም ሽልማት ባሎን’ ዲዮር ወሲዱ።
ወዲ 28 ዓመት ኣብ መስመር ምክፍፋል ዝጽወት ሮድሪ ንጋንታኡ ማን ሲቲ ኣከታቲላ ንሓሙሽተ ግዜ ዘውዲ ፕሪመርሊግ ክትዓትር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ስጳኛ ኰይኑ ድማ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ኤውሮጳ ወሲዱ’ዩ።
ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ምድብ ተሰላፊት ጋንታ ባርሰሎናን ኣባል ሃገራቲ ጋንታ ስጳኛን ኣይታና ቦንማቲ ተሸላሚት ናይዚ ዓመት ኰይና ኣላ።
እቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝወሃብ ዝበለጸ ሽልማት ክወስድ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ብራዚላዊ ተሰላፊ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ቪኒሰስ ጁንየር ካልኣይ ክስራዕ እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ እንግሊዛዊ ጁድ በሊንግሃም ድማ ሳልሳይ ተሰሪዑ።ሓያሎ ስሙያት ተጻወትቲ፡ ብሕልፊ ድማ ህሉዋትን ናይ ቅድም ተሰለፍቲን ከም ናይ 2023 ዕዉታት እዚ ሽላምት ዝዀነ ካሪም በንዘማን ካልኦትን ነቲ ብይን ዘለዎም ነቕፌታ፡ ኣብ ልዕሊ ቪሲኒሰስ ጁንየር ዘለዎም ኣድናቖትን ንሱ ክሽለም ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣካፊሎም።
ኣብዚ ሰኑይ ምሸት ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ጽንብል መዛዘሚ ሽልማት፡ ንዝበለጸ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ዝወሃብ ንስጳኛዊ ላሚን የማል፤ ናይ ብሉጽ ሓላው-ማዕጾ ኣርጀንቲናዊ ተሰላፊ ጋንታ ኣስቶን ቪላ ኢሚልያኖ ማርቲነዝ፣ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝጀመረ ንዝበልጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝወሃብ ሽልማት ድማ ካሊያን እምባፐን ሃሪ ኬንን ተዓዊቶ። ብልጽቲ ክልተ ስጳኛዊት ሪያል ማድሪድ ክትሽለም እንከላ፡ ዓላሚኣ ኢጣልያዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ ድማ ዝበልጸ ኣሰልጣኒ ተሰይሙ።
ንዝበልጸ ተጻዋታይ ዝወሃብ ዝዓበየ ሽልማት ባሎን ዲ’ዮር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጎ ሊዮንለ መሲን ክርስታያኖ ሮናልዶን’ዩ ክመላልስ ነይሩ። ንዝሓለፈ ዓመት ሓዊሱ መሲ ሸሞንተ ግዜ ተዓዋቲ እዚ ዓቢ ሽልማት ክኸውን እንከሎ፡ ሮናልዶ ድማ ሽዱሽተ ግዜ ወሲዱዎ ኣሎ።
ቅጥዒ