ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ደራሲ መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ”


ምስ ደራሲ መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ”
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:56 0:00

ምስ ደራሲ መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ”

ፈለማ ኣብ 1984 ተሓቲማ፡ ካብ ኣንበብቲ ነዊሕ ተኸዊላ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኤርትራ ብመገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ደጊማ ኣብ 2016 ዝተሓትመት መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ፡” ንውልቃዊ ተመኵሮ ደራሲ ኣብ ኢጣልያ እተዘንቱ’ያ። እዛ ኣፈ-ዘየኽዱን ግን ከኣ ዘስካሕክሑ ዛንታታት ሰራሕተኛታት ገዛ እተዘንቱ መጽሓፍ፡ ሕጂ’ውን ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዋ’ያ። ጸሓፊ እዛ ፍልይቲ መጽሓፍ ግን ቃለ-መጠየቓት ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ዩ ጸኒሑ። ሕጂ እምበኣር ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ናብ ኖርወይ ተጓዒዙ ዝቐነየ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ምስቲ ነባሪ ሽወደን ዝዀነ ደራሲ ገብረእግዚኣብሄር ገብረቀመቀል፡ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ረኺቡ የዕሊሉ ኣሎ።

ኣብታ ዳግም ዝተሓትመት መጽሓፍ ደራሲ በየነ ሃይለ ኣብ 2010 ብዛዕባ’ታ መጽሓፍ ዝተሰምዖ ሰፊሕ ጦብላሕታ ዝጸሓፎ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ኣብ እዋኑ ግን በየነ ንደራሲ ገብረግዚኣብሄር ገብረመስቀል ኣይረኸቦን ነይሩ።

ደራሲ እዛ መጽሓፍ ናይ መጀርታን መወዳእታኡን’ያ። ከምቲ ኣብ መቕድሙ ኣቐሚጡዎ ዝነበረ’ውን እቲ መደቡ ተመኵሮኡ ንምክፋል ደኣ’ምበር ኣብ መስርዕ ደረስቲ ንምጽንባር ኢሉ ከም ዘይገበራ ኣመልኪቱ ነይሩ። ንድርኺት መጽሓፊኡ፡ ኣብ ምሕታማ ዝነበረ ብድሆታትን ድሕሪእኡ ዝሰዓበ ህይወቱን ኣመልኪቱ እምበኣር ተመኵሮኡ ኣካፊሉና ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG