ሱዳን -- ብሰንኪ ውሕጅ ኣብዚ ዓመት 132 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝወርድ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጅን ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብውሑዱ 132 ሰባት ምማቶም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዝኸፍአ ወቕቲ ዝናብ ዘጋጥማ ከም ዘሎ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ዝናብ ንዓሰርተ ክፍለ-ሃገራት ጸልዩ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 31-ሽሕ ስድራቤታት ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ብተነጻል ድማ ኣስታት 130-ሽሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም--ከም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር።
ኢፒሶዳት
-
ታሕሳስ 12, 2024ምርኢት ዲጂታላዊ ስራሓት ኤክስፖ
-
ታሕሳስ 11, 2024ቤተ-ጥበብ ምንያ -- ንተሃድሶን ጥበብን
-
ታሕሳስ 11, 2024ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሶርያ
-
ታሕሳስ 10, 2024ሲሃም ዓሊ -- 12 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ
-
ታሕሳስ 09, 2024ትንታነ - ሶርያ ድሕሪ ኣሰድ ክሕሻ ዲዩ ወይስ ክደግሳ?