ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን -- ብሰንኪ ውሕጅ ኣብዚ ዓመት 132 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝወርድ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጅን ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብውሑዱ 132 ሰባት ምማቶም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዝኸፍአ ወቕቲ ዝናብ ዘጋጥማ ከም ዘሎ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ዝናብ ንዓሰርተ ክፍለ-ሃገራት ጸልዩ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 31-ሽሕ ስድራቤታት ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ብተነጻል ድማ ኣስታት 130-ሽሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም--ከም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር።

ሱዳን -- ብሰንኪ ውሕጅ ኣብዚ ዓመት 132 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:17 0:00

ኣብ ሱዳን ውሕጅ ዘስዕቦ ሓደጋ ዝውቱር እኳ እንተዀነ፡ ሎሚ ዓመት ግን ምስ ምዕናው ትሕተ-ቅርጺን ኲናት ዝፈጠሮ ስእነት ቀረባትን እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝበኣሰ ኣገልግሎት ዜና ፈረሳንይ ይሕብር። ብዘይካ 132 ብዝሒ ምዉታት፡ ካልኦት 210 ዜጋታት’ውን ደሃይ ከም ዘይብሎም ኣብ ስራሕ ኣድሕን ንዝነጥፉ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ። ብሰንኪ እቲ ውሕጅ ልዕሊ 12-ሽሕ ኣባይቲ ክውስደ እንከሎ፡ ተወሳኺ ላዕሊ 11-ሽሕ ድማ ከፊላዊ ዕንወት ወረዱዎ ኣሎ።

ሰብ-መዚ ጥዕና ሱዳንን ውድብ ጥዕና ዓለምን ብሰንኪ’ቲ ውሕጅ ሕማም ሸሮኽ ከም ዝተጋፍሐን ድሮ ድማ 316 ሰባት ኣብ ወርሒ ሰነ ምማቶምን ጸብጺቦም።

ኣብ ምብራቓዊ ወገን ሱዳን፡ ዲጋ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ንምሉእ እቲ ከባቢ ኣዕለቕሊቑዎ ከም ዘሎ ሮይተርስ ብቪድዮ ኣብ ዘሰነዮ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብዚ ዝደሓረ ምዕልቕላቕ ውሑድ ብውሑዱ 20 ዓድታት ከም ዝደምሰሰ ሮይተርስ ሓቢሩ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ድማ ብውሑዱ 30 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ዲጋ ኣርባዓት ብሰንኪ’ቲ ብርቱዕ ውሕድ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ንምሉእ ምብራቕ ሱዳን ዝጸሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ኣሎ።

መራሒ ኣምቡላንስ ዝዀነ ሓቢቡላህ ዑመር ድሕሪ ምፍራስ እቲ ዲጋ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተስ ክዛረብ እንከሎ፤

“ውሕጅ ንኣባይቲ የዕኑን ይደቢን ምህላዉ ምስ ሰማዕና ክንረድእ ኢልና ቀልጢፍና መጺእና። ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ሬሳታት ቀቢርና ኣሎና። እዚ ድማ ሻዱሻይ ምዃኑ’ዩ። ኣምላኽ ይሓግዝ እምበር ኣዝዩ ሕማቕ ተርእዮ’ዩ። ነቶም ህሩማት ድማ ናብ ሕክምና ፖርት-ሱዳን ንልእኮም ኣሎና፡” ይብል እዚ መራሕ ኣምቡላንስ ሓቢቡላህ።

እታ ዝፈረሰት ዲጋ ንፖርትሱዳን ቀንዲ ምንጪ ዝሰተ ማያ ዝነበረት’ያ። ፖርትሱዳን ኣዝያ ስትራተጃዊት ከተማ ብምዃና ድማ ናብ ኵሉ ወገናት እታ ሃገር ዝዝርጋሕ ረዲኤት ጸልዩዎ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ጽርግያታትን ካልእ ትሕተ-ቅርጺን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዓንዩ ስለ ዝጸንሐ ድማ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ተወሳኺ ጽዕንቶ ፈጢሩ ኣሎ።

መሓመድ ዑስማን ኣመሓዳሪ እታ ንዲጋ ኣርባዓት እትዳወብ ዓዲ’ዩ።

“እቶም ዒላታት፡ መእለዪ ውሕጅን ካልእ ቀረባት ሕርሻን ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ተወሲዶም። እቲ ዲጋ ቅድሚ ምፍራሱ ነቲ ብርቱዕ ውሕጅ ንቝሩብ ግዜ ዓቚሩዎ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ኣይከኣለን ለኪሙዎ ከይዱ። ሕጂ እቲ ዝኸፍአ ወገናቱ ጽርግያ’ውን ስለ ዝፈረሰ ረዲኤት ከነገዓዓዝ ኣይከኣልናን።” ይብል ኣመሓዳሪ መሓመድ ዑስማን።።

እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ገና ኣብ ዝኸኣሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ገና ኣይዓረፈን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG