ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዜያዊ ምምሕዳር ንዝሸሞም ቤት ጽሕፈት ህወሓት ይቃወሞም


ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንዝሃቡዎ ሹመት ኣመሓደርቲ ዞባታት ብእኒ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት፡ “ግቡእ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ” ብምባል ከም ዘይቅበሎ ገሊፁ። ቤት ጽሕፈት ህወሓት ነቲ ዓርቢ ዝተዋህበ ሽመት ስዒቡ ኣብ ዝፅሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ስራሕ “ንህወሓት ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ፡” ክብል ፀዊዑዎ። ካብ ግዜያዊ ምምሕዳር ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ንምርካብ ዝግበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን፡ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክኢላታት ሕጊ ግን ነቲ ዝተፃሕፈ ደብዳብ’ዮም ዝነቕፉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG