ክልል ትግራይ -- ስእነት ፀጥታ፡ ፃውዒት ተመዛበልቲ


ክልል ትግራይ -- ስእነት ፀጥታ፡ ፃውዒት ተመዛበልቲ

No media source currently available

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝኣመቶ ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ስለ ዘየለ፡ ፀገም ፀጥታ ይጋደድ ኣሎ ክብል ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከሲሱ። እቲ ውድብ ዘይሕጋዊ ዕደናን ምስግጋር ሰባትን ካብቶም ዝጥቀሱ ጕድለት ምምሕዳር ምዃኖም ይሕብር። ብዝተሓሓዝ ካብ ክልል ዓፋር ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ምስ ተኽእሎታት ምምላስ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ ኣብ መንጎ ተረሲዕና ኢሎም መረረ የስምዑ ኣለዉ።

​
XS
SM
MD
LG