ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ 30 ዓመታት ደሞክራሲያዊ ምምሕዳር ኣብ እትጽንብለሉ...ግን ከኣ...


30 ዓመታት -- ፍልልይ ትጽቢትን ክውንነትን
30 ዓመታት -- ፍልልይ ትጽቢትን ክውንነትን

ፓሌሳ ሙሳ ኣብ 1976 ኣብቲ ደቀንስትዮ ዝእሰራሉ ዝነበራ ቤት ማሕቡስ ጆሃንስበርግ ክትቅየድ እንከላ ጓል 12’ያ ነይራ። ገበና ኣንጻር ስርዓት ኣፓርታይድ ብዘርኣየቶ ኣብያ’ዩ። ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝመጽኣትሉ ምኽንያት ኣብ ገዛ ዊኒ ማንዴላ ምትኳስ ብረት ክትመሃር ስለ ዝተረኸበት ምዃና ትነግር። “ንሃገረይ ንምክልኻል፡” ትብል ፓሌሳ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 30 ዓመታት ጕዕዞ ደሞክራሲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:34 0:00

ድሕሪ’ዚ ኵሉ ፡ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ 1994 ከም ናይ ፈለማ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ቃለ-ማሕላ ክፍጽም እንከሎ ዝተሰምዓ ፍሉይ ጦብላሕታ ትዝክር። ሕጂ ሰላሳ ዓመት ምስ ሓለፈ ግን ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባይቶ (ANC) ብዝርእዮ ዘሎ ግዕዝይናን ጉድለት ምምሕዳርን ንምእማኑ ትጽገም።

“ብዛዕባ’ዛ ሃገር እንታይ ከም ዝብል ንምግላጽ’ውን ይጠፍኣኒ። ከመይ እሞ ክብሎ? ገንዘብ’ዮም ዝበልዑ። ብዛዕባ’ቲ ዝመረጾም ህዝቢ ኣይሓስቡን’ዮም። ሓንሳብ ናብ ስልጣን ምስ ደየቡ ነቲ ናብኡ ዘብጽሖም ይርስዑዎ’ዮም፡” ትብል እዛ ቅድም እስርቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝነበረት ፓሌሳ።

እዚ ንኽንደይ ስቅያት ዝረኣየ ቤት ማእሰርቲ ነበር ሎሚ ቤተ መዘክርን ገለ ወገናቱ ድማ ቤት ጽሕፈት ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ’ዛ ሃገር’ዩ። ንሙዚቃን ካልእ ኣገደስቲ መደረታትን ዘአንግድ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሰብኣዊ መሰላት ድማ ይካየደሉ።

ሓያሎ ካብቶም ናይ ሎሚ ዓመት ተሳተፍቲ እዚ ፈስቲቫል ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝተወልዱ ስለ ዝዀኑ፡ “ቆልዑ ናጽነት” ተባሂሎም’ዮም ዝጽውዑ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሃገራዊ ምርጫ ይጽበያ ኣሎ። ድምጺ መንእሰያት ንመጽኢ ፖለቲካ እታ ሃገር ክጸልዎን ክቕልሶን ከም ዝኽእል ይእመን።

ቴሰ ዲምስ ዳይረክተር ማእከል ሪቮኒያ ዝተሰምየ ትካል መጽናዕቲ’ያ። “መንእሰያት ጥራይ ከድምጹ እንተ ወጺኦም ኵሉ ክልውጡ ይኽእሉ’ዮም። ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድመኦም ኣድመጽቲ ጥራይ 14 ሚልዮን ኣለዉ። ስለዚ ድማ መንእሰያት ኣብ ኢዶም ዘሎ ሓይሊን ድምጾም ክህቦ ዝኽእል ፍልልይን ክግንዘቡ የድሊ፡” ትብል እዛ ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ዝዀነት ዜጋ።

ወዲ ሰለሳ ዓመት ኡናቲ ምዘለኒ ብዛዕባ ምርጫ ኣብ ዝወሃብ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝሳተፍ ዘሎ’ዩ። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ መንእሰያት ዘሎ ሰፊሕ ሽቕለት ኣልቦነት ትሳቐ ኣላ። እቶም 65% ስራሕ-ኣልቦ’ዮም። ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባይቶ (ANC) ኣብ ዝመጽእ ናይ ወርሒ ግንቦት ምርጫ ዓብላልነት ክስእን’ዩ። እዚ ንፈለማ እዋኑ’ዩ ክኸውን- ከምቲ ግምታት ዘምልክቶ እንተዀይኑ።

እቲ ሱር ዝሰደደ ብልሽውናን ግዕዘይ ምሕደራን ንሓያሎ ኣድመጽቲ ኣብ መንጎ ድምጾም ምሃብን ዘይምሃብን ዘሎ ፍልልይ ከም ዘይርኣዮም ዝገበረ ይመስል። `ኡናቲ ምዘለኒ` ሓደ ካብቶም ትርጕም’ቲ ምርጫ ዘይተዋሕጠሉ’ዩ። ንሱ ክዛረብ እንከሎ፡ እቶም ብልሹዋት ፖለቲከኛታት ድሕሪ ዝግበሩዎ ተደደጋሚ ቃል ናብ ህዝቢ ዝበጽሕ ኣገልግሎት ክህቡ ስለ ዘይርኣዩ፡ ምጽማጽ ከምጽኦ ዝኽእል ፍልልይ ከም ዘየለ ይኣምን። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ’ውን ከድምጽ እንተዀይኑ ገና ርግጸኛ ዘይኰነ። ዛጊት ግን ንዘይምድማጽ’ዩ ወሲኑ ዘሎ።

ወዲ 23 ዓመት ታባንጋ ማክግወ ግን ንፈለማ እዋኑ ከድምጽ ተሃንጥዩ’ዩ ዘሎ። “ንኸድምጽ ዝሓለፈ ዓመት’የ ተመዝጊበ። ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክ፡ ዋትስኣፕ ድማ ደጋጊመ ‘ኣድምጹ’ እናበልኩ እጕስጕስ ኣለኹ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ለውጢ ክርኢ እደሊ’የ። ብልሽውና ክጠፍእ፡ ዘይማዕርነት ክስተኻኸል፡ ዝሓሸት ደቡብ ኣፍሪቃ ክንርኢ ድምጽና ክንህብ ኣሎንና፡” ይብል ወዲ-23 ዓመት ታባንጋ። ደሞክራሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ወለዶ ክዕቀብን ክሰጋገርን ሓላፍነት ኵሉ ዜጋ ምዃኑ ይምጉት፡ ከም ጸብጻብ ኬት ባርትለት ካብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG