ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሰመኮ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ጋምቤላ 138 ሰባት ምማቶም ኣፍሊጡ


ኮሚሽነር ዳኒኤል በቀለ
ኮሚሽነር ዳኒኤል በቀለ

ኣብ ክልል ጋምቤላ፡ ኣብ ንዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ዝተኸሰቱ ግጭታት ንኸብቅዕ ዝተወሰዱ ስጉምታት ዘተባብዑን ክቕጽሉ ከም ዝግባእን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮምሽን ወሲኹ "ንዘጥፍኡ ተሓተቲ ካብ ምግባር ሰጊሩ፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ልዝባትን ዕርቂ ሰላምን ንኽወርድ፡ ጭቡጣትን ዘላቂን ፍታሓት ምንዳይ ኣገዳሲ" ምዃኑ ጠቒሱ።

ብዘይካኡ ብሰንኪ ግጭታት ጉድኣት ንዝወረዶም ሰባት ዝግባእ ካሕሳ ንክኽፈሉ እቲ ኮሚሽን ይሓትት።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ዘረጋገፆ መረዳእታን መርተዖን ብውሕዱ 138 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ 113 ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ኣብ ንብረት ውልቀሰባትን ትካላትን ዝወረደ ዕንወት’ውን ኣብቲ ፀብፃቡ ኣካቲቱ ኣሎ።

ኣብቲ ግጭታት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን’ውን ግዳያት እቲ መጥቃዕቲን ተሳተፍቲ እቲ ግጭትን ምንባሮም ጠቒሱ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዳኒኤል በቀላ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ነቲ ዘጋጠመ ግጭት ንምህዳእ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝነኣድ ምዃኑ “ምሉእነት ፍትሒ ዝረጋገፅ ግን ገበነኛታት ክሕተቱ፡ ግዳያት ክከሓሱን ተመሳሳሊ ገበን ንኸይድገም ግቡእ ስጉምቲ ክውሰድ ከሎን እዩ። እዚ ንኽረጋገፅ ድማ ቆራፅነት ወሳኒ እዩ፡” ክብሉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG