ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ሓደጋታት መካይን ኣብ በበይኑ ቦታታት ኢትዮጵያ 24 ሰባት ሞይቶም


ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ መካይን ህይወት 24 ሰባት ምማቶም ተገሊጹ።

እቲ ሓደጋታት መኻይን ዘጋጠመ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ፣ ኣብ ክልል ማእከላይ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ቢሾፍቱን'ዩ።

ብሰንኪ'ቲ ሓደጋታት ቀሊል መጉዳእቲ ዝወረዶም ሰባት ይሕከሙ ምህላዎም ተፈሊጡ'ሎ።

በቲ ኣብ ዞባ ወላይታ ዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ 11- ሰባት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ከም ዝተፈጸመ ቤተሰብን ፖሊስን ንቮኦኤ ገሊጾም'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG