ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኣመሪካ ንትግራይ ብምብጻሕ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን መሪሕነት ህወሓትን ይራኸቡ


American diplomats visit Mekelle
American diplomats visit Mekelle

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪክ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ማይክ ሃመርን ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪንግ ማሲንጋን ናብ መቐለ ብምጕዓዝ ምስ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባትን ፕረዚደንት ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ተራኺቦም ዘትዮም። እቶም ሰብ-መዚ ኣመሪካ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ብወግዒ ክራኸቡ ንፈለማ እዋኖም ምዃኖም ዝገለጹ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ስምምዕ ተጻብኦ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበር፡ ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ክልል ክሕሎን ንጉዳያ ምርጫ ኣመልኪቶም ምዝርራቦምን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኣመሪካ ንትግራይ ብምብጻሕ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን መሪሕነት ህወሓትን ይራኸቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:44 0:00

ከም ሓበሬታ እቶም ተሳተፍቲ’ቲ ርክብ፡ እቶም ኣመሪካውያን ሰብ-መዚ’ውን ኣብ ስምምዕ ተጻብኦታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዛጊት ዘይተፈጸመ ዝብሉዎ ኣካላት ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ኣብ ምፍጻም እቲ ስራሕ ክትዓዪ ምዃና ኣመልኪቶም። ካብ መንጎ’ቶም ኣዘራረብቲ ጉዳያት ምምላስ ውሽጣውያን ተመዛበልቲን ምውጻእ ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይን ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።

ብወገን ወከልቲ ኣመሪካ ድማ ንምጥያስ ኣባላት ዕጡቓት ክሰርሑ ምዃኖም ብምግላጽ፡ መንግስቶም ነቲ መዓላ ዝኸውን ባጀት ከም ዝሰለዐ’ውን ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG