ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል ገሊጹ


ፋይል - 18 መስከረም 2023
ፋይል - 18 መስከረም 2023

ሓደ ዘይመንግስታዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ካብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ብዝሒ ዘለዎም ኣብ ነኣሽቱ ጀላቡ ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት ምድሓኑ ገሊጹ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸብረ በዓል ልደት ክርስቶስ ስዒቡ ዝነበረ ዝሓሸ ኩነታት ኣየር ብምጥቃም ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ የቋርጹ ምህላዎም ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይገልጽ።

እቲ ሚንስትሪ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 1,500 ስደተኛታት ምምዝጋቡ፤ ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ 723 ሰባት ኣብ ወሰን ማያት ኢጣልያ ምእታዎም ይሕብር።

ብገበርቲ ሰናይ ዝውነና ሓያሎ መራኽብ እውን ካብ በዓል ልደት ክርስቶስ ኣትሒዙ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ምድሓነን ተፈሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት ዓመተ 2023 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም 260,662 ሰባት ኣውሮጳ ምእታዎም ገሊጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG