ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ንፍርያት ኣወላፊ መድሃኒት ፋንታንይል ንምብታኽ ይትስፈዉ


ፕረዚደንት ባይደን ምስ ሚኒስተራት ወጻኢን ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋይት-ሃውስ
ፕረዚደንት ባይደን ምስ ሚኒስተራት ወጻኢን ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋይት-ሃውስ

ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ጠንቂ ኣወላፊ መድሃኒት ኰይኑ ዘሎ ፋንታንይል ንምዕጋት ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ትማሊ ሰሉስ ኣመልኪቱ። እዚ ድሕሪ ምስ መራሕቲ መክሲኮን ቻይናን ዝተገብረ ዝርርብ ምዃኑ’ዩ። ተዓዘብቲ ግን በቲ መደብ ክንድቲ ትስፉዋት ኣይመስሉን።

ፕረዚደንት ባይደን ንፍርያት ኣወላፊ መድሃኒት ፋንታንይል ንምብታኽ ይትስፈዉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

እቲ ኣወላፊ መድሃኒ ፋንታንይል ብነፋሪት ወይ ካልእ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ምናልባት’ውን ብኣገልግሎት ፖስታ ካብን ናብን ሃገራት ክለኣኽ ዝኽእል’ዩ።

ኣብ ጎድናኣዊ ርክብ መራሕቲ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ኤስያ ፓሲፊክ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ቻይና፡ መክሲኮን ኣመሪካን ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ድማ ምምሕዳር ባይደን ነቲ መድሃኒት ንምቍራጽ ተተስፍዩ ኣሎ። ብሰንኪ’ዚ ኣወላፊ መድሃኒት ፋንታንይል ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣስታት 200-ሽሕ ኣመሪካውያን ምማቶም ይፍለጥ።

ምስ መዛኑኦም መራሕቲ ክልተ ሃገራት ድሕሪ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንዘለዎም ተስፋ ክገልጹ እንከለዉ፤ "እቲ ቀንዲ ብድሆ፡ መበቆል እዚ ሽግር ስግረ-ዶባት ምጽናሑ’ዩ። ብዙሕ ካብኡ ካብ ዶባት ኣመሪካ ወጻኢ’ዩ ዝስራሕ። ስለዚ ድማ ነቲ ንምፍታሕ፡ ዓለማዊ ምትሕብባር ይሓትት፡” ኢሎም።

ፋንታንይል ብብዝሒ ኣብ መክሲኮ ዝፈሪ መድሃኒ’ዩ። እቲ ጥረ ነገር ግን ካብ ቻይና ዝመጽእ ምዃኑ ይፈልጥ። ድሕሪኡ ብመስመራት ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ናብ ኣመሪካ ብምእታው ንኣማኢት ኣሽሓት ኣመሪካውያን ግዳይ ወልፉ ገይሩ ይርከብ።

ቻይና ንፍርያት እቲ መድሃኒት ዝኸውን ከሚካል ንምጕዳል ተሰማሚዓ ኣላ። ተንተንቲ ግን ቻይና ንመፍረ እቲ ከሚካል እንተ ኣቋረጸት፡ ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዝ ምዃኑ ይእምቱ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ ዩኒቨርስቲ መሪላንድ ዝምህር ፕሮፈርሰር ፔተር ረውተር’ዩ።

“ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ምትዕንቓፍ እቲ መስርሕ ምስ ተዛረብና ኢና። ቻይና ነዚ ከሚካል ብኣዝዩ ብዙሕ መጠብ፡ እሞ ድማ ቍጽጽር ብዘይብሉ መንገዲ ከተፍርዮ ምጽናሕ ይፍለጥ። ቻይና ደው እንተ ኣቢላ ግን ህንዲ ክትቅጽሎ ምዃና እግምት፡” ይብል ረውተር።

ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ዓማሚ ፖሊሲ ምውሳዶም ክኢላታት ይንእዱ። እንተዀነ እቲ መድሃኒት ናብ ሃገር ንኸይኣቱ ጥራይ ምትኳር ነቲ ዘሎ ሽግር ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይእምቱ። ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርስቲ ብራውን ዝምህር ብራንደን ማርሻል፡ ነቲ መድሃኒት ናብ ኣመሪካ ንኸይኣቱ ምኽልኻል ዓቢ ውጽኢት ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ በሃላይ’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ንመድሃኒት ፋንታንይል ምስ ኣወለፍቲ ሓሽሽ ተሰሪዑ ማዕረኡ ጠመተ ክግበረሉ ይትስፈዉ። ባይቶ ኣመሪካ ድማ ዝተረረ መርገጺ ክወስድ ይጽውዑ።

ክኢላታት እቲ ዓውዲ ግን ነቲ መድሃኒት ምስ ዓበይቲ ኣወለፍቲ ሓሽሽ ምስራዑ ኣሉታዊ ተራ ክህሉዎ ምዃኑ የጠንቅቑ።

መሪ ስይላ ንኣወለፍቲ መድሃኒትን ወልፍታትን ዝከታተል ትካል ዳይረክተር’ያ። ንፋንታንይል ምስ ኣዝዮም ሓደገኛታት ኣወለፍቲ ሓሽሽ ምስራዑ ብዛዕባ ዝህሉዎ ሓደጋ ከተብርህ እንከላ ድማ፤ “ንፋንታንይል ምስ ኣደንዘዝቲ ሓሽሽ ምምዳቡ፡ ነቶም ዝጥቀሙ ዘለዉ ዜጋታት ካብ ሕብረተሰቦም ከነጽሎም ይኽእል’ዩ። ብሰንኩ ድማ ናብ ማእሰርቲ ክውሰዱ፡ ከምኡ ካብቲ ማሕበረኮማቶም ተፈዮም ክርኣዩ’ዮም። እዚ ድማ መሊሱ ነቲ ወልፍታት ከግደዶ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ፡” ትብል።

ኣብ ክንድኡ ግን ትብል እታ ዳይረክተር፡ እቲ ክኸውን ዘለዎ ዝያዳ ወፍሪ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ተጠቅመቲ እቲ መድሃኒት ክግበር ትጽውዕ። ቀረባት ኣብ ምብዛሕን እኹል ግንዛብ ኣብ ምሕዳርን ዝያዳ ምስ ዝስራሕ ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ክህብ ከም ዝእኽል ትትስፎ--ከም ጸብጻብ ፓትስይ ዊዳኩስዋራ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG