ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንመዓልቲ ምስጋና ትቀራረብ፡ 55 ሚልዮን ህዝቢ ክጓዓዙ’ዮም


ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጽንብል ወግዒ ምሕረት ታኪን
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጽንብል ወግዒ ምሕረት ታኪን

ኣብዚ ዓመታዊ ዝግበር ወግዒ ምድሓን ታኪን፡ መበል 81 ዓመቶም ዘብዓሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሊበርቲን በልን ንዝተባህሉ ክልተ ታኪናት (ተርኪ) ምሕረት ኣዊጆም ኣለዉ። እዚ ኣብ መዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving)፡ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዝግበር ምሕረት ንማሕረድቲ ዝቕረቡ ታኪናት ኣብ 1980ታት ዝጀመረ’ዩ።

ነቲ ናይ ምሕረት ታኪናት ጽንብል ኣብ ሚኒሶታ ዘካየዱ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ’ውን ምምሕዳሮም ብሕልፊ ኣብ ጽላት ሕርሻ ዝግበሮ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት ተዛሪቦም።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሎሚ ዓመት ካብን ናብን ዝጓዓዙ ኣመሪካውያን ኣስታት 55.4 ሚልዮን ክበጽሑ ምዃኖም ካብ ክፍሊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ዝተረኽበ ኣሃዛት ይሕብር። እዚ ኣሃዝ’ዚ ብመሬትን ኣየርን፡ ብውሑዱ ኣስታት 50 ማይላት ንዝጓዓዝዩ ኣመሪካውያን ዝሓቍፍ’ዩ።

ቍጠባ ኣመሪካ ብዝቕባበን ኣብ ዝተሃስየሉ እዋን፡ ነቲ መተኣኸኸቢ ስድራቤታት ዝዀነ መዓልቲ ምስጋና ግን ብኸቢድ ከም ዘይጸለዎን እቲ ምንቅስቓስ ድማ ከም ዘይጐደለን ሰብ-መዚ መጓዓዝያ ኣመሪካ ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG