ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኵነታት ጥዕና ቓዛ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝጸልመተ


ስድራቤታት ብሞት መቕርቦም ሓዘኖም ምቍጽጻር ይስእኑ
ስድራቤታት ብሞት መቕርቦም ሓዘኖም ምቍጽጻር ይስእኑ

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ፈጻሚ ዳይረክተር ህጹጽ ጉዳያት ዝዀነ ማይክል ርያን፡ ንኩነታት ሆስፒታል ቓዛ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዓቢ ስርዓተ ጥዕና ዝገበር ዘሎ ፍጹም ዕንወት ኢና ንዕዘብ ዘሎና፡” ክብል ጠቒሱ። ኣስዒቡ “መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ሆስፒታል ስለ ዝዓነወ ጽጹይ ኣሃዝ ምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ፡” ኢሉ።

ኵነታት ጥዕና ቓዛ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝጸልመተ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00

ኣብቲ ካብ ጀነቫ ብመንገዲ ማንዛ ኣቢሉ ዝግበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብደብዳብ ዝተቐትሉ ሲቪላውያን ዜጋታት ልዕሊ 11-ሽሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቲ ኣሃዝ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ሓቢሩ።

ከም ኣገላልጻ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቀንዲ ማሕንቖ ኰይኑ ዘሎ፡ ካብቲ ወሽመጥ ንዝተሃርሙን ዝተጸገሙን ናብ ውሑስ ቦታ ንምውሳዶም ዘሎ ሽግር’ዩ። ድሮ 1.7 ሚልዮን ዜጋታት ካብ መንበሪታቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ--ከም ጸብጻብ እቲ ውድብ። እቶም ተመዛበልቲ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተጠየሰ መጻንሒ ቴንዳታት ተጸቓቒጦም ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለዉ። እዚ ንተወሳኺ ተላባዕቲ ሕማማት ማዕጾ ዝኸፍት ብምዃኑ ድማ ሓደገኛ ተርእዮ ክስዕብ ከም ዝኽእል እቶም ውድብ ጥዕና ዓለም የጠንቅቕ።

ዳይረክተር ህጹጽ ጉዳያት ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ፡ ነቲ ዝጸንሐ ጭቕጭቕ ተመዛበልቲ መሊሱ ኣግዲዱዎ ዘሎ ድማ ዝናብ’ዩ ኢሉ። ብርቱዕ ዝናብ ነቲ መጽለሊ ቴንዳታት ኣፍሪሱ፡ ንከም ውጽኣት ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሓማማት ኣሳጢሑ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኩነታት ኣየር’ውን ኣዝዩ ይትሕት ስለ ዘሎ ንህጻናት ንኒሞኒያን ካልእ ሕማማትን ከሳጥሕ ምዃኑ ይግመት። ነቲ ዘሎ ሽግር መሊሱ ዘብእሶ ድማ ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብቶም ህጻናት ስለ ዘሎን ዝጸንሐን’ዩ።

ኣስታት 5500 ነፍሰ-ጾራት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክሓርሳ ትጽቢት ይግበር። ከም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብውሑዱ 15% ካብኣተን ብመጥባሕቲ ክገላገላ ከድልየን’ዩ። ብድምሩ ድማ 25% ናይቶም ዝውለዱ ዕሸላት ቅድሚ መዓልቶም ክኸውን ምዃኑ ይእመት።

ኣብ ካልእ መዳያት’ውን እቲ ምስሊ ኣዝዩ ጽልሙት’ዩ ዘሎ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናይ መንሽሮ ፍወሳ ዝደልዩ ተሓከምቲ፡ ኣሽሓት መድሃኒት ሽኮርያ ዘድልዮም፡ ኣሽሓት ጸቕጢ ደም ዝጸንሖም፡ ከምኡ ድማ ኣስታት 20-ሽሕ ተሓከምቲ ኣእምሮ ጥዕና ኵላቶም ኣብ ሓደጋ ኣለዉኣደ። እንተዀነ፡ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺ ጥዕና ኣብ ዝዓነወሉ እቲ ስራሕ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።

እቲ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዝኸፍኣሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ምቍራጽ ተዅሲን ምልቃቕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታትን ተገይሩ፡ ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምድሕን ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም የዘኻኽር።

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤምን ብምትሕብባር ድሮ 31 ዕሸላት ናብ ዝሓሸ ቦታ ኣግዒዙ ኣሎ። ናብ ግብጺ ምግዓዝ’ውን ብንእሽቶ መጠን ጀሚሩ ኣሎ። እንተዀነ ምስቲ ዘሎ መጠን እቲ ዝግበር ዘሎ ኣዝዩ ንእሽቶ ብምዃኑ ኵላቶም ኣካላት ዝሓሸ ክገብሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጽውዕ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ቅጽበታዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር፡ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ናጻ ክልቀቑ፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጻሕን ንመደበራት ጥዕና ዝግበር መጥቃዕቲ ንእለቱ ደው ክብልን ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG