No media source currently available
ኣብ ኒጀር ዕልዋ ዝፈጸሙ ወታሃደራት፡ ነቶም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጹ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ካብ ዝዓልውዎም ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ዜጋታት ኒጀር ብሃገራት'ቲ ዞባ ክፍጸም ንዝኽእል ወራር ይዳለዉ'ለዉ። ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብኽልቲኦም ወገናት ኣወንታዊ ምልክታት እንተሎ'ካ እቲ ኣብ መንጎ ኒጀርን ዞባዊ ውዳበ ኢካዋስን ዘሎ ምፍጣጣት ይገድድ'ዩ ዘሎ።