(ዋሽንግተን) ብሰንበት 13 ነሓሰ ኣብ መበል 92 ዓመቱ ብሞት ዝተፈልየ ክለረንስ ኤቫንት፡ ኣብቲ ንልዕሊ 70 ዓመታት ዝኸደ ናይ ስነ-ጥበብ መሪሕነት ዕድመኡ፡ ኣብ ሙዚቃን መፍረ ፊልም ዘይሕከኽ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ። ንኸም በዓል ህቡብ ደራሲ ሙዚቃ ኲንሲ ጆንስ፡ ቢል ዊዘርስን ካልኦት ከም በዓል ማይክል ጃክሰን ብዝተጻወቶ ተራ ድማ “ኣቦ ሙዚቃ ጸለምቲ” ዝብል መጸውዒ ቅጽል ነይሩዎ።
ኣብ 1950ታት ኣብ ምምሕዳር ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ዝኣተወ ኤቫንት፡ ካብቲ ፈለማ እግሪ ዘትከሎ ናይ ሙዚቃ ምምሕዳር ጆ ግላሴር ሓንቲ ዓባይ ምኽሪ ከም ዝወሰደ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚ ይጠቕሳ። ንሳ ድማ “ክሳብ ክንደይ ከም እትፈልጥ ኣይትንገር። ካልኣይቲ ድማ ሰጋእጋእ ከይበልካ እቲ ዝለዓለ መጠን ክፍሊት ሕተት” ዝብላ’የን።
በዚ ኣገባብ’ዚ ተመሪሑ እምበኣር’ዩ ንርእሱን ነቶም ዘስርሖም ሙዚቀኛታት ዝለዓል ክፍሊትን ዝበለጸ ውዕልን ብምፍራም ዓቢ እቶት ንኽገብሩ ብዙሕ ሓጊዙ።
ጽልዋ ኤቫንት ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ጥራይ ኣይነበረን። ንኣዝዮም ስሙያት ጸለምቲ ስፖርተኛታት ከም ተጓሳጢ መሓመድ ዓሊ፡ ጂም ብራውን፡ ሀንሪ ኣሮንን ካልኦትን’ውን ኣብ ምውዕዋዕን ካልእ ተዛማዲ ስርሓትን ዓበይቲ ውዕላት ኣፈሪሙ’ዩ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንጎስጓሳት ቢል ክሊነተንን ባራክ ኦባማ’ውን ዓበይቲ ምርኢታት ወዲቡ። ማይክል ጃክሰን ናይ ፈለማ ሙዚቃዊ ምርኢት ንኽገብር ዝሓገዘ’ውን ኤቫንት’ዩ።
“ሓደ ሰብ በሊሕ ምስ ዝኸውን ግድን ብቤት ጽሕፈት ኤቫንት ሓሊፉ ኣሎ፡” ኢሉ ይገልጾ ኲንስ ጆንስ።
ብ1931 ኣብ ግሪንስቦሮ ሰሜን ካሮሊና ዝተወልደ ኤቫንት፡ ኣብታ ሸሞንት ደቂ ዝነበራ ስድራ፡ ኣደኡ ከም ኣደን ኣቦን ኰይና’ያ የዕብያቶም። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ድማ ንሰሜን ንኒዋርክ ኣብ ኒው-ጀርሲ ግዒዙ። ኣብኡ ኣካያዲ ሓደ ባርን መዘናግዒ ማእከልን ኰይኑ። እታ ንሱ ዘመሓድራ ዝነበራ ባር ድማ ኣዝዮም ስሙያት ጸለምቲ ከም በዓል ህቡብ ሙዚቀኛ ልዊስ ኣርምስትሮንግ፡ ባርባራ ስትረሳንድ ክመላለሱዋ ጀሚሮም።
ኤቫንት ብእኡ ኣቢሉ ናብቲ ጸለምቲ ሳሕቲ ዝኣትዉሉ ወይ ድማ ብጸዓዱ ኣመሪካውያን ጥራይ ዝተኸለለ ስፍራታትን ናይ ስራሕ ቦታን ክኣቱ ክኢሉ።
ኤቫንት ካብ 1950ታት ኣትሒዙ’ዩ ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ኣትዩ። ሜርኩሪ ሪከርድስ (Mercury Records) ኣብ ዝተባህለ ትካል ቀልጢፉ ናብ ምኽትል ፕረዚደንት ብምድያብ ድማ ንጸለምቲ ሙዚቀኛታት ጸግዒ ክዀኖምን ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለምደ፡ ልዑል ዋጋ ውዕል ከፈርሞምን ጀሚሩ።
ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃን መዘናግዒን እናዓበየ ምስ መጸ ድማ ማዕረኡ ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮ ተገዳስነት ዓብዩ። ኣይጸንሐን ድማ ንጸለምቲ ፖለቲከኛታት ባህላዊ ምርኢታት ወይ ካልእ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት እናፈጠረ ብገንዘብ ኣብ ምሕጋዝ ኣትዩ።
ምስ ሞዴላዊት ጃኩሊን ግረይ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ቃል-ኪዳን ዝኣሰረ ክለረንስ ኤቫንት፡ ድሒሩ ኣፍራዪ ሙዚቃ ዝዀነ ኣለክሳንደር ደቮርን ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ባሃማስ ዝነበረት ኒኮልን ኤቫንትን ዝብሃሉ ክልተ ውሉዳት ድማ ገዲፉ።
ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፡ ወዱ ኣሌክስ ብስም ስድራቤት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን “ባሕሪ ኣዕሩኽን ፈተውቲን ገዲፉ ዝተፈልየ” ክብል ገሊጹዎ።
ቅጥዒ