ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መፍትሒ ዋጋ ኣመሪካውያን ካብ ማእሰርቲ ካብ ኢራን ዝተኻፋፈለ ስምዒት የሕድር


ስእሊ ፋይል--ብኢራን ዝተታሕዙ ኣመሪካውያንብ ወታሃደራት ሓይሊ ባሕሪ
ስእሊ ፋይል--ብኢራን ዝተታሕዙ ኣመሪካውያንብ ወታሃደራት ሓይሊ ባሕሪ

(ዋሽንግተን) ሚኒስተር ወጽኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ “ምፍታሕ ኣብ ኢራን ብጌጋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣመሪካውያን ተስፋ ዝህብ ምዕባለ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ከም ጸብጻብ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ሲንድይ ሰይን ግን እቲ ተግባር ንኻልኦት ሃገራት ዘተባብዕ ከይከውን ስግኣቶም ይገልጹ።

ኢራን፡ ኣርባዕተ ኣመሪካውያን ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝጸንሑ ተፈቲሖም ናብ ናይ ገዛ መሓዩር ከም ዘሰጋገረቶም፡ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጣ። እዚ ኣምሳያ ናይቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ድማ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ደስኪሉ ዝጸንሐ ቢልዮናት ዶላራት ክልቀቐላ’ዩ። ሓሙሸይቲ ኣመሪካዊት’ውን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣላ። መንነት እዛ ኣመሪካውያን ዜጋ ግን ኣይተገልጸን።

መፍትሒ ዋጋ ኣመሪካውያን ካብ ማእሰርቲ ካብ ኢራን ዝተኻፋፈለ ስምዒት የሕድር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:17 0:00

ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ጠበቓ እቶም ሰለስተ እሱራት ሲያማክ ናማዚ፡ ኢማድ ሻርጊን ሞራድ ተህባዝን ከም ዝብሃሉ ኣመልኪቱ ኣሎ። እዚኣቶም ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩርን ሕማቕ ስም ዘለዎን ቤት ማእሰርቲ ኢቪን ተታሒዞም ዝጸንሑ’ዮም። ሕጂ ድማ ናብ ዘይተነጸረ ሆቴል ተወሲዶም ኣለዉ። ኣብቲ ሆቴል ገና ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኢራን’ዮም ክጸንሑ። እቲ ራብዓይ እሱር ገና ኣይተለለየን።

ትማሊ ሓሙስ ብተመሳሳሊ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ተቐቢሉዎ ኣሎ።

“እዚ ዘተስፉ ምዕባለ’ዩ። እንተዀነ ቀዲመ ናብ መደምደምታ ክሰግር ኣይደልን። ድሕሪ’ዚ ካልእ ዝስዕብ ስጕምቲ ክህሉ ኣለዎ። ንሱ ድማ ናብ ኣመሪካ ምምጻኦም’ዩ። ከም እምነተይ፡ እዚ ፈላሚ ስጕምቲ ንመኸተምታ እቲ ድቃስ ዝኸልእ ጉዳይ’ዩ፡” ኢሎም ብሊንከን።

እዚ ተበግሶ ንመራሕቲ ኢራን ካብቲ ዝጸንሖም፡ ብኣመሪካ ዝተነበረ ማዕቀብ ዘቃልል ተበግሶ’ዩ ኢሎም ዝርእዩዎ ነቐፍቲ ኣለዉ። ብሊንከን ግን ነዚ’ውን ኣነጺሩዎ ኣሎ፤ “ኣብ ዝዀነ ግዜን ብዝዀነ መልክዕን፡ ኢራን፡ ብኸፊል ይዅን ምሉእ ካብቲ ዝተነብራ ማዕቀብ ክትናገፍ’ያ ማለት ዘይምዃኑ ግን ምዝኽኻር የድሊ። ኵነታት ብዘፍቅዶ ምስ ኢራን፡ እሱራት ኣብ ምልውዋጥ ነቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ገንዘብ እታ ሃገር ክንለቆ ባህርያዊ’ዩ። ድሕሪኡ እቲ ዝተለቀ ገንዘብ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ክውዕል’ዩ። እዚ ከኣ ነቲ ተንቢሩ ዘሎ እገዳ ዝጻረር ኣይኰነን።”

ሓደ ተንታኒ እቲ ውዕል ዘተስፉ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣመሪካዊ ዜጋ ንዝዀነ ዓርኩ ሲያማክ ናማዚ ካብ ማእሰርቲ ዝለቅቕ ብምዃኑ ድማ እቲ ቀንዲ ዘደሰቶ’ዩ’።

ጆን ኣልተርማን ካብ ማእከል ስትራጀተጂን ዓለማዊ መጽናዕታትን ኰይኑ፡ ንሲያም ናማዚ ካብ 90ታት ኣትሒዙ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ’ዩ ዝሕብር። ኣልተርማን ንናማዚ ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዘሎ ወጥሪ ንኽሃድእ ንዓመታት ዝጸዓረ’ዩ ይብሎ። ኣብ ክንዲ’ቲ ኵሉ ጻዕሩ፡ ሞሳ ኣብ ክንዲ ዝረክብ ኣብ ዝኸፍአ ማእሰርቲ ኢቪን ምድጓኑ ድማ ዘሕዝን ክስተትን ስግንጢርን ኢሉ ይገልጾ። እዚ ብዘይ ግቡእ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ዜጋ ሕጂ ምፍታሑን ኣማስያኡ ድማ ናብ ኣመሪካ ክመጽእ ምዃኑን ድማ እቲ ቀንዲ ዘሕጕስ ወገን ናይቲ ውዕል ምዃኑ ጆን ኣልተርማን ይገልጽ። ካልኦት ብተመሳሳሊ ብዘይ ግቡእ ተኣሲሮም ንዘለዉ ኣመሪካውያን ኣሰሩ ክስዕቡ ድማ ይትስፎ።

“ምክልኻል ንደሞክራሲ” ኣብ ዝተባህለ ትካል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዝዀነ ሪቻርድ ጎልድበርግ ግን ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈራረቐ መርገጺ’ዩ ዘለዎ። ኣመሪካውያን ተፈቲሖም ክርኢ ዘሕጕስ ምዃኑ ይገልጽ። ስክፍታኡ ግን ነቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሽዱሽተ ቢልዮን ናይ ኢራን ምልቃቑ ካልእ ሳዕቤን ከየምጽእ ዝብል’ዩ።

“እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ኣመሪካ ጅሆ ንዝተታሕዙ ዜጋታት ንምውጻእ ብዛዕባ እትገብሮ ስጕምቲ እንታይ መልእኽቲ ከም ዘሕልፍ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ኢቫን ገርሸኮቪች ኣሎ። ሕጂ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ናይ መልቀቒ ዋጋኡ ወሲኹ ኣሎ። ቻይና ድማ ናይ ሃገራዊ ሰላያ ሕጊ የሕሊፋ ኣላ። በዚ ዝእሰሩ ኣመሪካውያን ኣይክሰኣኑን’ዮም። ድሮ’ውን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ናይ ጕዕዞ መጠንቀቕታ ሂቡሉ ኣሎ። ድሕሪኡ ናይ መፍትሒ ዋጋ ክንደይ’ዩ ክኸውን?” ይብል ሪቻርድ ጎልድበርግ።

ጎልድበር ከም ኣብነት ዝጠቕሶ ነቲ ኣብ ሩስያ “ንሰላያ ኣመሪካ” መጺኡ ብዝብል ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ ዘሎ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ገርሸኮቪች’ዩ። ኣመሪካ ነቲ ክሲ ብምጽናግ እቲ ጋዜጠኛ ክፍታሕ ደጋጊማ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ--ይብል ጸብጻብ ሲንድይ ሰይን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG