ዩጋንዳ፡ ስደተኛታትን ደቂ ሃገርን ብዘይ ኣድልዎ ብማዕረ ክሰርሑለን ክዋስኡለን ባይታ ካብ ዝኸፍታ ኣዝየን ውሑዳት፡ ምናልባት’ውን በዚ መዳይ ቅድሚ ኵሉ እትስራዕ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ። ኣብታ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣስታት 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ሶማል፡ ብሩንዲን ኤርትራ ከምኡ’ውን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ብብዝሒ ዝነብሩላ ሃገር፡ ማዕረኡ ድማ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዓቢ ቍጽሪ ስደተኛታት ዘእንግድ በበይኑ ኣገልግሎታት ኣሎ።
ኣብ ለካቲት 2022፡ ብሰለስተ ኤርትራውያን ሓካይም ሰብ-ብርኪ ኣገልግሎት ዝጀመረት ማእከል ጥዕና ዙም ሓንቲ ካብተን ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ኤርትራውያን ነበርቲ ዩጋንዳን ካልኦት ዜጋታትን ኣተኲራ እትሰርሕ ዘላ’ያ። እዛ ማእከል ጥዕና ነቲ ኣብ ስደተኛታት ኣዝዩ ጉሊሑ ዝርአ ሕጽረት ቋንቋን ስእነት ምትእምማን ኣብ ምምላእ ዓቢ ተራ ኣለዋ።
ማእከል ጥዕና ዙም ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሉእ ግዜኦም ኣብታ ማእከል ዝሰርሑ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ሓካይም፡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም 35 ነርሳትን ተሓገገዝቲን፡ መሕረስቲ ነርሳትን ናይ ክታበት ክኢላታትን ዩጋንዳውያን ሓካይም ብድምሩ ክሳብ 46 ዝበጽሕ ዓቕሚ ሰብ ዘዋፍር ማእከል ጥዕና’ዩ።
ሓፈሻዊ ሓኪምን ዳይረክረተር ናይ ማእከል ጥዕና ዙምን ዝዀነ ዶክተር ዓንደመስቀል ዝበዝሑ ተሓከምቲ ናይዚ ማእከል ጥዕና ኤርትራውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኢትዮያውያን፡ ሶማላውያን፡ ዜጋታት ኮንጎ ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም ይጠቅስ።
ኣብርሃም ተስፋልኡል ናብ ካምፓላ ዩጋንዳ ተጓዒዙሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዘዳለዎ መደብ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ መላግቦ ሰዓቡ።
ቅጥዒ